ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ምክልኻል ጥንሲ ነንስትን ሰብኡትን ምምካን

ነንስትን ሰብኡትን ምምካን

1 ቀዋሚ አገባብ መከላኸሊ ጥንሲ አብ ጓለንስተይቲ

ቀዋሚ አገባብ መከላኸሊ ጥንሲ ነተን ክወልዳ ዘይደልያ ወይ ክወልዳ ዘይክእላ ደቂ አንስትዮ ዝግበር እዩ፡፡
አብ ጓለንስተይቲ እዚ ቀዋሚ አገባብ መከላኸሊ ጥንሲ ብሓፈሽኡ አብ ምእሳር ሻምብቆ ማህጸን ወይ ድማ
አብ ምቅማጥ ቀለቤት አብ ሻምብቆ ክከውን ከሎ ፡

ከምኡውን ንኣሽቱ ዝትከሉ አብ ውሽጢ ሻምብቆ ከነእቱ ንክእል ኢና በዚ አገባብዚ እቲ ርክብ ናይ እንቋቍሖን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ክግበር ይካአል ንምፍጣር ድቂ፡፡

እዚ ምእሳር ሻምብቆ ማህጸን ወይ ድማ ምቅማጥ ቀለቤት አብ ሻምብቆ ብሓፈሻዊ ብመደንዘዚ ዝካየድ ክከውን ከሎ እቶም ዝትከሉ ኣብ ሻምብቆ ግን ብዞባዊ መደንዘዚ ይኽውን፡፡

  1. እቲ መጥባሕቲ ዝግበረሉ ቦታ
     
  2. ሻምብቆ ማህጸን
  3. እንቛቝሖ
  4. ማህጸን
  5. ርሕሚ
  • ምእሳር ሻምብቆ ማህጸን ታማንኒቱ ብቅጽበት እዩ
    እቲ ምቅማጥ ናይ ቀለቤት ክሳብ ብግቡእ ስርሑ ዝጅምር 3 ወርሒ የድልዮ እዩ፡፡
    አብዚ እዋን እዚ ተወሳኪ መከላክሊ ጥንሲ አድለይ ይክውን፡፡
  • አብቲ አንስታዊ ስምዒታት ዝመጽእ ለውጥታት የለን ምፍራይ ሆርሞን ጽግያት ክቅጽል እዩ ክሳብ
    ንጽፈ ጽግያት፡፡
  • ምእሳር ሻምብቆ ማህጸን ሓንሳብን ንሓዋሩን ስለ ዝኮነ እቲ ናይ መጨረሽታ ዝወሰድ ውሳነ ክከውን አለዎ፡፡

እዘን ማእከላት ውጥን ስድራ ቤት ድልዋት እየን ንክዛራረባ ምስቶም ተጻመድቲ ብዛዕባ እቲ ዝውሰድ አገዳሲ ውሳነ

2 ቀዋሚ አገባብ አብ ወዲ ተባዕታይ

እዚ ቀወሚ አገባብ ነቶም ክወልዱ ዘይደልዩ ወይ ድማ ክወልዱ ዘይክእሉ ናይ ምፍራይ ክእለቶም ከቋርጽዎ ዝድልዩ ዝግበር እዩ፡፡
ምእሳር ዕትብቲ ዘርኢ አብ ምእሳርን ምቁራጽን ነቶም መተሓላለፊ ዋህዮታት ዘርኢ ዝተሞርኮሰ ይከውን፡፡ እቲ ፈሳሲ ዘርኢ ዋሃዮታት ዘርኢ አይህልዎን፡፡

እዚ መጥባሕቲ እዚ ብዞባዊ መደንዘዚ ተጥቂምካ አብ 15-20 ደቃይቅ ዝፍጸም ኮይኑ አብ ሆስፒታል ምድቃስ ውን አየድልን፡፡

  1. እቲ ዝቁረጸሉን ዝእሰረሉን ቦታ
  2. ፍሕኛ ሽንቲ
  3. መትረብ
  4. ፕሮስተይት
  5. መትሎ
  6. ፍረ ነብሲ
  • ታአማንነቱ ብቅጽበት ኣይኮነን
    ምጥቃም መከላኸሊ ጥንሲ ክሳብ መርመራ ተገይሩ አብቲ ፈሳሲ ዘርኢ ዋሃዮታት ዘርኢ ዘይብሉ ዝከውን(ድሕሪ ከባቢ 20 ግዜ ምፍሳስ)
  • ድሕሪ ምምካን  እቲ ናይ ምግታር(ምውታር) መትሎ ይኹን ወይ ብዝሒ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ(ምፍሳስ)   ለውጢ ከምዘይገብር።
  • ምእሳር ዕትብቲ ዘርኢ ሓንሳብን ንሓዋሩን ስለ ዝኮነ እቲ ናይ መጨረሽታ ዝዉሰድ ውሳነ ክከውን አለዎ፡፡

2013, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

www.migesplus.ch
ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ንጥዕና ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ