ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ምክልኻል ጥንሲ አብ ቆርበት ዝጥቃዕ መከላከሊ

አብ ቆርበት ዝጥቃዕ መከላከሊ

እቲ ባዕሉ ለጋባይ መከላኸሊ ጥንሲ ፕላስተር መጠኑ 4,5 x 4,5 ሴንቲሜተር ሲንቴቲክ ሆርሞን ዘለዎ እዩ ኦስትሮጌንን ገስታጌንን ፣ ከምቲ ኣካል ደቀንስትዮ ንዘፍርዮ ዝመሳሰል። ኣብ ሓደ ሓደ ጉዳያት እዘን ሆርሞናት ኣብ ልዕሊ ጥዕና ጽልዋ ክህልወን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ውልቃዊ ኩነታት ምስ ሓደ ናይ ሕክምና ሰብ ሙያ ተማየጣ።

ኣተጋብራ

አብ ቆርበት ዝጥቃዕ መከላከሊ

• ምፍራይ እንቋቕሖ ይኽልክል፣ እሱ ነቲ ማሕደር እንቋቕሖ ናብ ናይ ድቃስ ሃለዋት የእትዎ።
• ነቲ ናይ ማሕጸን ድርዕቶ ይቕይሮ ኤንዶሜትሪዩም) ስለዚ ምናልባሽ እንቋቕሖ ኣብኡ ክሕባእ ከምዘይክእል ይገብሮ።
• ነቲ ናይ ክሳድ ማሕጸን ፈሳሲ የሕፍሶ ንፋጥ ክሳድ ማሕጸን) ብኸምኡ ከኣ ዘርኢ ተባዕታይ ንኸይኣቱ ይኽልክል።

እቲ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ሜላታት ብትኽክል ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ እንተኾይኑ በዚ መገዲ ጥንሲ ንኸይፍጠር ምክልኻል ይከኣል እዩ።

ኣጠቓቕማ

ሓደ ባኮ 3 መከላኸሊ ጥንሲ ፕላስተር ኣለዎ። እዚ ማለት ከኣ ኣብተን 3 ሰሙናት ንነፍሲ ወክፍ ሰሙን 1 ፕላስተር ምልጣፍ፣ ካብኡ ቀጺሉ ከኣ 1 ሰሙን ዕረፍቲ ይግበር።

ነቲ ፕላስተር ብጥንቃቐ ኣብ ሓደ ጽሩይን ንቑጽን ኣካል (ናይ ቆርበት ክሬማ ወይ ዘይቲ ዘይብሉ) ኣብ ታሕተዋይ ኣካል ከብዲ፣ ኣብ መቐመጫ፣ ኣብ ሕቖ ወይ ድማ ኣብ ላዕለዋይ ክፍሊ ኢድ ለጥፍኦ። ኣብ ኣጥባትክን ኣይትለጥፍኦ። 10 ሰኮንድ ብኸብዲ ኢድክን ጸቒጥክንኦ ጽንሓ። ነቲ ፕላስተር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ሓደ ካልእ ቦታ ለጥፍኦ፣ ናይ ቆርበት ማርማርታ ንምክልኻል።

  • እስኽን ነቲ ፕላስተር ሓዲሽ ትጅምራ እንተዂንክን: ነቲ ቀዳማይ ፕላስተር ኣብቲ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ጻግነ ለጥፍኦ = ሻዓ ንሻዓ ምክልኻል። እቲ ሜላ ድሕሪ ካልኣይ መዓልቲ ናይ ጻግነ ዝተጀመረ እንተኾይኑ፣ ኣብተን 7 መዓልታት ኮንዶም ተጠቀማ።
  • ድሕሪኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ነቲ ፕላስተር ቀይርኦ። ኩሉ ጊዜ ኣብ ሓንቲ ናይ ሰሙን መዓልቲ ቀይራ። ነቲ ዝተጠቀምክንኦ ፕላስተር እለይኦ ከምኡ ድማ ሽዓ ንሽዓ ነቲ ሓዲሽ ፕላስተር ለጥፍኦ።
  • ኣብ መወዳእታ ናይ ሰለስተ ሰሙናት ፕላስተር ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ግበራ።
  • ድሕሪኡ ነቲ ሓዲሽ ተርታ ናይ ሰለስተ ፕላስተር ጀምራ፣ ነዚ እውን ኣብ ሓደ ናይ ሰሙን መዓልቲ ግበራ።

እቲ ምውጻእ ደም ኣብ እዋን ዕረፍቲ እዩ ዝጅምር ከምኡ እውን ድሕሪኡ ኣብ እዋን ጻግነ ሓይሉ ትሕት ዝበለ እዩ ቃንዛውን ዝተሓተ እዩ።

ነዚ ሜላ ብትኽክል ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ እንተኾይኑ ኣብ እዋን ዕረፍቲ እውን ምክልኻል ይረጋገጽ ኣዩ።

ምሕጻብ ነብሲ፡ ምሕንባስ፡ ሶውና፡ ወይ ውን እስፖርት ምግባር፡ አየባላሽዎን እዩ ግን ምርአዩ ጽቡቅ ሒዙ እንተአልዩ ድሕሪ እዚ ክባሃል ዝጸንሔ ምስ ፈጸምና፡፡

እስኽን ከምዚ እንተኾነ...

ነቲ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ እንዳተጠቀምክን ከለኽን ኣብ ሞንጎ ደም እንተመጸክን፣ ዘሻቕል ጉዳይ ኣይኮነን። መከላኸሊ ትንሲ ፕላስተር ምጥቃም ከም ልሙድ ቀጽላ። እስኽን ኣብ ዝስዕባ ኣዋርሕ ቀጻሊ ከምዚ ዓይነት ደም ዘለክን እንተኾይኑ፣ ምስ ሓደ ናይ ሕክምና ሰብ ሙያ ተማየጣ።

ኣፋውስ ምውሳድ፣ ኣብ ሓደ ናይ ሕክምና ሰብ ሙያ ወይ ድማ ኣብ ፋርማሲ፣ ምክልኻል ዘለክን እንተኾይኑ ኣረጋግጻ። ካብ ዮሃንስ ዕጺ ዝተመረተ፣ ሓደ ሓደ ኣንቲ ባዮቲካ፣ ሓደ ሓደ ፈውሲ ዘውድቕ ሕማም ከምኡ ከኣ ኣፋውስ መከላኸሊ ኤች.ኣይ.ቪ. ነቲ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ኣድማዕነቱ የትሕት ኣዩ። መከላኸሊ ጥንሲ ምውሳድ ቀጽላ ከምኡ ድማ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ኮንዶም ተጠቀማ።

ነዚ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ሜላ ምጥቃም ኣቋርጻ፣ እቲ ናይ ጥንሲ ምክልኻል ውጽኢት ሻዓ ንሻዓ የቋርጽ። ዝመዓድ፣ ንኹለን እተን ሰለስተ ፕላስተራት ናይ ባኮ ተጠቀማ።

ኣብ እዋን ዕረፍቲ ደም ዘይብልክን እንተ ኾይኑ፣ ሓደ ሓዲሽ ተኸታሊ ፕላስተር ኣብቲ መደብ ዝተገበሮ ዕለት ጀምራ ከምኡ ድማ ምስ ሓደ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንጾታዊ ርክብ ጥዕና ወይ ድማ ናብ ሓደ ሕክምናዊ ሰብ ሙያ ተራኸባ።

 

ምርሳዕ ፕላስተር ምቕያር

ካብ 48 ሰዓታት ንታሕቲ ምርሳዕ

እቲ ናይ ጥንሲ ምክልኻል ኣድማዕነት ዝተረጋገጸ እዩ።

  • ነቲ ፕላስተር ቀይርኦ ከም ልሙድ ከኣ ቀጽላ።

  • ነታ ትቕጽል ፕላስተር ኣብቲ ዝተመደበ መዓልቲ ለጥፋኣ።

ካብ 48 ሰዓታት ንላዕሊ ምርሳዕ

ናይ ጥንሲ ምክልኻል ኣድማዕነት ዝተረጋገጸ ኣይኮነን።

ኣብተን ዝሓለፋ 5 መዓልታት ጾታዊ ርክብ ዘይነበረ እንተኾይኑ

  • ነቲ ፕላስተር እለይኦ። ሓደ ሓዲሽ ፕላስተር ለጥፋ ከምኡ እውን ሓደ ሓዲሽ ተርታ ናይ 3 ፕላስተራት ጀምራ።
  • 7 መዓልታት ኮንዶም ተጠቀማ።

ኣብተን ዝሓለፋ 5መዓልታት ጾታዊ ርክብ ዝነበረ እንተኾይ

  • ብዝተኻእለክን መጠን ቀልጢፍክን ሓደ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ውሰዳ ከምኡ ድማ እቲ ሰብ ሙያ ዝህበክን ማዕዳ ተኸተላ።
  • ክሳብ እቲ ናይ ጥንሲ ምክልኻል ከም ብሓድሽ ኣድማዒ ዝኸውን፣ ኮንዶም ተጠቀማ። እዚ ከከም እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ዝውሰን እዩ።

ነቲ 3. ፕላስተር ምእላይ ምርሳዕ

  • ልክዕ ምስ ኣስተብሃልክን፣ ነቲ ፕላስተር እለይኦ።

  • ነቲ ሓዲሽ ተርታ ናይ 3 ፕላስተራት ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ መዓልቲ ሰሙን ጀምራ (እቲ ዕረፍቲ ዝተገበሮ ሓጺር ወላኳ እንተኾነ)

ነቲ 1. ፕላስተር ድሕሪ ዕረፍቲ ምልጣፍ ምርሳዕ

እቲ ዕረፍቲ ብዘይ ፕላስተር ካብ ሰሙን ንላዕሊ ዝወሰደ እንተኾይኑ፣ ናይ እቲ ምክልኻል ጥንሲ ኣድማዕነት ዝተረጋገጸ ኣይኮነን።

ኣብተን ዝሓለፋ 5 መዓልታት ጾታዊ ርክብ ዘይነበረ እንተኾይኑ

  • ልክዕ ምስ ኣስተብሃልክን፣ ነቲ ፕላስተር ለጥፍኦ። እዚ መዓልቲ ሕጂ እቲ ሓዲሽ ናይ ፕላስተር መዓልቲ ሰሙን እዩ ዝኸውን።
  • 7 መዓልቲ ኮንዶም ተጠቀማ።
  • ነቲ ካልኣይ ፕላስተር ድሕሪ ሓደ ሰሙን ለጥፍኦ።

ኣብተን ዝሓለፋ 5መዓልታት ጾታዊ ርክብ ዝነበረ እንተኾይ

  • ብዝተኻእለክን መጠን ቀልጢፍክን ሓደ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ውሰዳ ከምኡ ድማ እቲ ሰብ ሙያ ዝህበክን ማዕዳ ተኸተላ።
  • ክሳብ እቲ ናይ ጥንሲ ምክልኻል ከም ብሓድሽ ኣድማዒ ዝኸውን፣ ኮንዶም ተጠቀማ። እዚ ከከም እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ዝውሰን እዩ።

እቲ ፕላስተርክን ባዕሉ ለጊሱ

ኣብ ውሽጢ ካብ 24 ሰዓት ንታሕቲ

ናይ ጥንሲ ምክልኻል ኣድማዕነቱ ዝተረጋገጸ እዩ።

  • መሊስክን ክተጣብቕኦ ፈትና (መላገቢ ፕላስተር ይኹን መጣበቒ ነገር ኣይትጠቀማ)። መሊሱ ምጥባቕ እንተ ኣበየ፣ ሓደ ሓዲሽ ፕላስተር ኣጣብቓ፣ ንምሳለ ካብ እቲ መሓለውታ ባኮ።
  • ነቲ ፕላስተር ኣብቲ ዝተለመደ መዓልቲ ምቕያር ወይ ድማ ምእላይ።

ካብ 24 ሰዓታት ንላዕሊ ኣብ ዘሎ እዋን

ናይ ጥንሲ ምክልኻል ኣድማዕነቱ ዝተረጋገጸ ኣይኮነን።

ኣብተን ዝሓለፋ 5 መዓልታት ጾታዊ ርክብ ዘይነበረ እንተኾይኑ

  • ነቲ ፕላስተር እለይኦ። ሓዲሽ ፕላስተር ኣጣብቓ ከምኡ ድማ ነቲ ሓዲሽ 3 ፕላስተር ዘለዎ ተርታ ጀምራ።
  • 7 መዓልቲ ኮንዶም ተጠቀማ።

ኣብተን ዝሓለፋ 5መዓልታት ጾታዊ ርክብ ዝነበረ እንተኾይ

  • ብዝተኻእለክን መጠን ቀልጢፍክን ሓደ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ውሰዳ ከምኡ ድማ እቲ ሰብ ሙያ ዝህበክን ማዕዳ ተኸተላ።
  • ክሳብ እቲ ናይ ጥንሲ ምክልኻል ከም ብሓድሽ ኣድማዒ ዝኸውን፣ ኮንዶም ተጠቀማ። እዚ ከከም እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ዝውሰን እዩ።

ክፍለጥ ዘለዎ

  • ካብ ኤች.ኣይ.ቪ. ምትሕልላፍን ካብ ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል ዝበለጸ ውሕስነት ዘለዎ ጾታዊ ርክብ እዩ። እዚ ማለት፡
    1. ኣብ ርሕሚ ወይ ድማ ኣብ መዓኮር ንውሽጢ ዝኣቱ ጾታዊ ርክብ ምስ ዝግበር ኮንዶም ምጥቃም።
    2. ካልእ ኩሉ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ www.lovelife.ch.

2023, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

(Tigrinya / ትግርኛ - Das Verhütungspatch / Le patch transdermique)

www.migesplus.ch
ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ንጥዕና ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ