ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት (STI)
ዝኾነ ይኹን ሰብ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽም ፣ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ (STI) ክቃላዕ ይኽእል። ብዘይካ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት እውን ኣለዉ። መብዛሕትኡ ግዜ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላፍ ረኽሲ ከም ዝሓዘና ውን ኣይፍለጠናን እዩ። ንሓደጋ ረኽሲ ንምንካይ ዝሕግዙ ስትራተጂታት ኣለዉ፣ እዚኦም ክታበት፣ ምክልኻልን፣ ሕክምናን እዮም።
እዞም ረኽስታት/ STIs ብኸመይ ይመሓላለፉ፧
ከም ብዙሓት ካልኦት ረኽስታት፣ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ብናይ ጾታዊ ምትንኻፍን ጾታዊ ርክብን ክመሓላለፉ ይኽእሉ። ንኣብነት፣ ብመቐመጫ ዝፍጸሙ ስጋዊ ርክባት ፣ ብርሕሚን ብኣፍን ፣ ናይ ጾታዊ ርክብ መጻወቲ/ሴክስ ቶይስ ብሓባር ምጥቃም ረኽሲ ክሕዘና ይኽእል። እቲ ምትሕልላፍ ረኽሲታት፣ካብ ኣደ ናብ ውላድ እውን ይከኣል እዩ (ኣብ እዋን ጥንሲ፣ ሕርሲ ወይ ምጥባው)።
መግለጺ ናይቶም ቀንዲ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት
ክላሚድያ
- ጠንቂ ረኽሲ፣ ባክተርያ
- ምልክታት፣ መብዛሕትኡ ግዜ ክላሚድያ ዝኾነ ምልክታት የብሉን። ምልክታት እንተ ኣልዮም ድማ፣ እቶም ብዙሕ ግዜ ዝረኣዩ፣ ኣብ እዋን ሽንቲ ዝስምዓካ ምቅጻል፣ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ደም ምፍሳስ ወይ ቃንዛ፣ ካብ ግዜ ጽግያት ወጻኢ ደም ምፍሳስ፣ ካብ ርሕሚ ወይ መትሎ ዘይልሙድ ፈሳሲ ምፍሳስን እዮም።
- ምትሕልላፍ፦ ብኹሉ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ብቐሊሉ ክመሓላለፍ ይኽእል፣ ኣዝዩ ልሙድ ረኽሲ እዩ።
- ሕክምና፡ ጸረ-ነፍሳት/ ኣንቲባዮቲክ
- መተሓሳሰቢ፡ እዞም ረኽሲታት ናይ ክላሚድያ፣ ክንክን ሕክምና እንተ ዘይተገብረሎም፡ ልዑል ተኽእሎ ናይ መኻንነት ወይውን ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝህነጽ ጥንሲ ዝተሓሓዙ እዮም።
ጅግል/ጎኖርያ
- ጠንቂ ረኽሲ፣ ባክተርያ
- ምልክታት፣ መብዛሕትኡ ግዜ ሕማም ጅግል ዝኾነ ምልክት ኣየርእይን እዩ። ምልክታት እንተኣልዮም ድማ፡ እቶም ብዙሕ ግዜ ዝረኣዩ፣ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ናይ ከብዲ፣ ኣብ ሽንቲ ኣብ ንሸነሉ እዋን ወይ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ዝስምዓካ ቃንዛ፡ ደም ምፍሳስ፡ ካብ ርሕሚ ወይ መትሎ ዘይልሙድ ፈሳሲ ምፍሳስ እዮም።
ምትሕልላፍ፣ ብኹሉ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ብቐሊሉ ክመሓላለፍ ይኽእል።
- ሕክምና፣ ጸረ-ነፍሳት/ ኣንቲባዮቲክ
- መተሓሳሰቢ፣ እዞም ረኽሲታት ናይ ጅግል፣ ክንክን ሕክምና እንተዘይተገብረሉ፡ ልዑል ተኽእሎ ናይ መኻንነት ወይውን ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝህነጽ ጥንሲ ዝተሓሓዙ እዮም።
ፍንጣጣ / ሲፊሊስ
- ጠንቂ ረኽሲ፣ ባክተርያ
- ምልክታት፣ ምልክታት ናይ ፍንጣጣ ኣዝዩ ክፈላለ ወይ ዘይፍለጥ እውን ክኸውን ይኽእል። እቶም ምልክታት ምስ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ናይቲ ረኽሲ ይምዕብሉ፣ ቁስሊ ኣብ መትሎ፣ ከባቢ መቐመጫ፣ ርሕምን ፣ ኣፍን ኣስዒቡ ኣብ ኣካላት ቀያሕቲ ፈጸጋ ዝመስሉ ነጠብጣብ ኣብ ጽፍሒ ኣእዳውን ኣብ ከብዲ እግርን ይርአ።
- ምትሕልላፍ፣ ብኹሉ ዓይነታት ጾታዊ ርክብ ክመሓላለፍ ይኽእል።
- ሕክምና፣ ጸረ-ነፍሳት/ ኣንቲባዮቲክ
- መተሓሳሰቢ፡ እቲ ረኽሲ ብቐሊሉ ክፍወስ ዝኽእል እዩ። እቲ ዘድሊ ናይ ሕክምና ክንክን እንተዘይተገብረሉ፣ ምስ ንውሒ ግዜ ኣገደስቲ ክፍሊ-ኣካላትን/ኦርጋን ቪቶ፣ ሓንጎልን ኣዝዩ ከቢድ ጉድኣት ክወርዶም ይኽእል እዩ።
ሂዩማንስ ፓፒሎማ ቫይረስ (HPV)
- ጠንቂ፣ ቫይረስ። ዝተፈላለዩ ዓይነት ቫይረሳት ኤችፒ (HP) ኣለዉ።
- ምልክታት፣ ኣብ መብዛሕትኡ እዋን እቲ ቫይረስ ዝኾነ ምልክታት ኣይስመዓካን እዩ። ገለገለ ቫይረሳት ኣብ ከባቢ ብልዕትን መሃንቱስን ጡብ ኣድጊ(ኮንድይሎም) ከስዕቡ ይኽእሉ። ካልኦት ቫይረሳት ኣብ ሽፋን ጽሕጊ/ምዩከስ ለውጢታት ከስዕቡ ይኽእሉ። ሳሕቲ እዞም ለውጥታት ናብ መንሽሮ (ናይ ክሳድ ማህጸን፣ ናይ ርሕሚ፣ናይ ኣፍርሕሚ ፣ መቐመጫ፣ ናይ መትሎን ናይ ጎሮሮን) ገጾም ክምዕብሉ ይኽእሉ።
- ምትሕልላፍ፡ ኣዝዩ ልሙድ፡ ብኹሉ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ይመሓላለፍ፡ ከምኡውን ብናይ ብልዕቲ ጾታዊ ምትንኻፍ ብዘይ ምእታው ።
- ሕክምና፦ ንነፍ-ስወከፍ ዓይነት ጸገም ዝተፈላለየ ሕክምናታት ኣለዎ።
- መተሓሳሰቢ፡ እቲ ዝበለጸ ውጽኢታዊ ዝኾነ መከላኸሊ ክታበት እዩ። እቲ ክታበት እንተተኻኢሉ ቅድሚ ቀዳማይ ናይ ጾታ ርክብ፡ ካብ 11 ዓመት ዕድመ ክሳብ 26 ዓመት ዕድመ ንክኽተቡ ይምከር። እቲ ክታበት ብነጻ እዩ።
ሄርፐስ
- ጠንቂ፣ ቫይረስ። ክልተ ዓይነት ቫይረስ ኣለዉ።
- ምልክታት፡- ኣብ ከባቢ ኣፍ ዝወጽእ ፈጸጋ (መብዛሕትኡ ግዜ “ቡቶን ደ ፍየቭር” ተባሂሉ ዝፍለጥ) ዘቕንዙ ቁስሊታት ኣብ ከባቢ ብልዕትን መቐመጫን ።
- ምትሕልላፍ፣ ብብዝሒ ዝርአ፣ ምስቶም ቫይረስ ዝሓዙ ፈጸጋታትን ቁስልታትን ብቐጥታ ብምትንኻፍ ይላባዕ። ምልክታት ናይቲ ረኽሲ ኣብ ዘይረኣየሉ እዋን እውን ምትሕልላፍ ይከኣል እዩ። መብዛሕትኦም ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ሰባት ብዘይ ጾታዊ ርክብ ብሕማም ሄርፐስ ተለኺፎም እዮም።ብኣፍ-ብልዕቲ ምትሕልላፍ ይከኣል እዩ (ንኣብነት ኣብ መንጎ ኣፍ ርሕምን ኣፍን ብምትንኻፍ፣ ኣብ መንጎ መትሎን ኣፍን ብምትንኻፍ)።
- ሕክምናዊ ክንክን፣ መልከፍቲ ከቢድ እንተኾይኑ ጸረ-ቫይረስ መድሃኒታት።
- መተሓሳሰቢ፡ ሄርፐስ ንምሉእ ህይወትካ ኣብ ኣካላት እቲ ዝተለኽፈ ሰብ ይጸንሕ። ደጋጊሙ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክወጽእ ይኽእል እዩ። ናይቲ ረኽሲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምውጻእ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ።
ወይቦ / ሄፓታይትስ
- ጠንቂ፣ ቫይረስ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቫይረሳት ሄፓቲት (ከም Aን Bን Cን) ኣለዉ።እቲ ረኽሲ “ሄፓታይትስ” ተባሂሉ ይጽዋዕ ምኽንያቱ ነድሪ ጸላም ከብዲ ስለ ዘስዕብ።
- ምልክታት፣ ኣብ መብዛሕትኡ እዋን እቲ ቫይረስ ዝኾነ ምልክታት ኣይስመዓካን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ቆርበትን ዓይንን ብጫ ናይ ምዃን ተኽእሎ ፣ ረስኒ፣ ተምላስ፣ ምጉዳል ሸውሃት ምግብን ይርአ።
- ምልባዕ እቲ ረኽሲ ከከም ዓይነት ቫይረስ ዝተፈላለየ እዩ፣
- ሄፓታይተስ ኤ፡ ብናይ ብልዕቲ ምስ ኣፍን፣ ኣጻብዕትን መቐመጫን ብዝካየድ ጾታዊ ምትንኻፍ ።
- ሄፓታይተስ ቢ፡ ብኣፍ፡ ብመቐመጫ ወይ ብርሕሚ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ይላባዕ። ኣብ እዋን ሕርሲ ካብ ኣደ ናብ ውላድውን ክመሓላለፍ ይኽእል።
- ሄፓታይተስ ሲ፡ ብደም ወይውን ኣብ እዋን ማህሰይቲ ናይ ብልዕቲ ወይ መቐመጫ ከስዕቡ ዝኽእሉ፣ ፍሉይ ናይ ጾታዊ ርክብ ልምድታት ከጋጥም ይኽእል ። እቶም ካልኦት ሓደጋታት ምስ ናይ ዕጸ-ፋርስ ዝወስዱ ሰባት ነቲ ናውቲ ብሓደ ምስ ዝጥቀሙ ድማ ብመገዲ ናውቲ ዕጸፋርስ (መርፍእ፡ መስተዪ ፓይ) ይላባዕ።
- ሕክምናዊ ክንክን፣ ቫይረስ ሄፓታይተስ ኤ ዝበሃል ረኽሲ ባዕሉ ይሓዊ። ሄፓታይተስ ቢ ዝበሃል ረኽሲ ሕዱር ሕማም ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ንምሉእ ሂወትካ መድሃኒት ክትወስድ ኣድላዪ ይኸውን፣ እዚ ድማ ጉድኣት ጸላም ከብዲ (ሲሮሲስ፣ ካንሰር) ንምክልኻል እዩ ። ቫይረስ ናይ ሄፓታይተስ ሲ፡ ሕዱር ረኽሲ ናይ ጸላም ከብዲ ከለዓዕል ልዑል ናይ መንሽሮ ናይ ጸላም ከብዲ ከማዕብል ይኽእል። ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ሄፓታይተስ ሲ ረኽሲ ብጸረ-ቫይረስ መድሃኒት ክፍወስ ይኽእል።
- መተሓሳሰቢ፡ ክታበት ኣንጻር ሄፓታይተስ ኤን ቢን ኣዝዩ ውጽኢታዊ ኮይኑ፡ ረኽሲ ንምውጋድ የኽእል።
HIV/ኤይድስ
- ጠንቂ፡ ቫይረስ (ካብ ካልኦት ቫይረሳት ዝተፈልየ ፍሉይ ቫይረስ)።
- ምልክታት፣ እቶም ምልክታት ናይቲ ረኽሲ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ረኽሲ (2-4 ሰሙን ድሕሪ ምትሕልላፍ)፡ ናይ ምርኣይ ተኽእሎታት ኣሎ። እዞም ምልክታት እዚኦም ምስ ናይ ጉንፋዕ ዝመስሉ ኾይኖም፣ ረስኒ፣ ሕማም ርእሲ፣ ረሃጽ፣ ቃንዛ ኣብ መላግቦታት፣ ኣብ ቆርበት ነጠብጣብ ዝኣመሰሉ እዮም። ኣብዚ ምዕራፍ እዚ እቲ ቫይረስ ኣብ መንጎ መጻምድቲ ብዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ብቐሊሉ ይመሓላለፍ። ኣብዚ ምዕራፍ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ምልክታት ከይተስተውዓለ ይተርፍ እሞ እቶም ምልክታት ከኣ ቀልጢፎም ይጠፍኡ። ብድሕሪ እዚ ግዜ እዚ እቲ ቫይረስ ንነዊሕ እዋን ምንም ዓይነት ምልክታት ኣየበግስን እዩ።ግናኸ እቲ ምልክታት ዋላ ኣይሃሉ፣ ሕማም ኤይድስ ግን ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ። ስለዚ እዩ ብቐጻሊ ሕክምናዊ መርመራ/ ደፒስታጅ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን።
- ምትሕልላፍ፣ እዚ ረኽሲ እዚ፣ ብዘይ ኮንዶም ወይ ብዘይ መከላኸሊ ሕክምና መድሃኒት (PrEP) ብመቐመጫ ወይ ብርሕሚ ብዝግበር ጾታዊ ርክብ ይላባዕ። እቲ ምትሕልላፍ ምስ ናይ ዕጸ-ፋርስ ዝወስዱ ሰባት፣ ነቲ ናውቲ ብሓባር ምስ ዝጥቀሙ ድማ ብመገዲ ናውቲ ዕጸፋርስ (መርፍእ) ይላባዕ።
- ሕክምናዊ ክንክን፦ ንኤይድስ ዘሕዊ መድሃኒት የልቦን። ረኽሲ ኤችኣይቪ ዘለዎ ሰብ "ምስኡ ይነብር ኣሎ" ኢና ንብል ። እቲ ረኽሲ እንተ ዘይተሓኪሙን እናገደደ እንተ ኸይዱን ናብ ሕማም ኢይድስ ከብጽሕ ይኽእል። ቀታሊ ሕማም እውን እዩ። እቲ ረኽሲ ምልክታት ቅድሚ ምርኣዩ፣ ነቲ ረኽሲ መርመራ ብምግባር ብኣጋ እንተተዳህሲሱ፣ ዘድሊ ሕክምናዊ ክንክን ምስ ዝግበረሉ ምሉእ ብምሉእ ኤይድስ ክውገድ ይክእል ። እቲ ሰብ እንተተመርሚሩን ሕክምናዊ ክንክን እንተተገይሩሉን ብዓል ምሉእ ጥዕና ኮይኑ ይቕጽል። እቲ ሕክምናዊ ክንክን ወይ መድሃኒት እቲ ረኽሲ ንኸይመሓላለፍ ይከላኸል።
- መተሓሳሰቢ፡ ኣንጻር ኤችኣይቪ ክታበት የልቦን። እንተኾነ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ብመቐመጫን ብርሕምን፣ ኮንዶም ብቐጻሊ ምጥቃም ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ውጽኢታውያን ስትራተጂታት ኣንጻር ኤችኣይቪ እዩ።
- ልዑል ሓደጋ ናይ ምትሕልላፍ ኤችኣይቪ ዘለዎ ጾታዊ ርክብ እንተፈጺምኩም፣ PEP (post-exposure prophylaxis) ዝበሃል ህጹጽ ሕክምናዊ ክንክን ኣሎ። ድሕርዚ ሓደጋ ዘለዎ ርክብ እዚ ምፍጻም፣ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ መድሃኒት ክእዘዝ ኣለዎ። ፒኢፒ/PEP ውጽኢታዊ ንክኸውን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክጅመር ኣለዎ። እቲ ሕክምና ን28 መዓልታት ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ክትትል ሕክምና የድልዮ እዩ። ተወሳኺ ዘድሊ ሓበሬታታትን እቲ PEP/ፐፕ ዝበሃል መድሃኒት ንምርካብ፣ ኣብ ሆስፒታላት ወይውን ማእከላት ጾታዊ ጥዕናን ናይ ቸክፖይንት ነቑጣታትን ምኻድ ይግባእ።
- ኣንጻር ረኽሲ ኤችኣይቪ ዝከላኸል ሕክምና ወይ መድሃኒት ኣሎ፣ እዚ ኸኣ PrEP (pre-exposure prophylaxis) ይበሃል። እዚ ሕክምናዊ ክንክን እዚ ኣብ ምክልኻል ረኽሲ ኤችኣይቪ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እዩ። PrEP ካብ ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ኣይከላኸልን እዩ። እዚ መድሃኒት ብናይ ሕክምና ብሰብ ሞያ ማለት ዶክተር ክእዘዝ ኣለዎ። ብመሰረት ዝተቐመጠ መዓቀኒታት ንኤችኣይቪ ንምቅላዕ ልዑል ሓደጋ ንዘለዎም ሰባት ክጥቀሙሉ ይምከር።
ንኤችኣይቪን ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን መዓስ ክንምርመር ኣሎና፧
- ድሕሪ ናይ መቐመጫ ወይ ናይ ርሕሚ ጾታዊ ርክብ ብዘይ ኮንዶም ወይ ድማ እቲ ኮንዶም እንተተቐዲዱ ወይ ሸተት እንተደኣ ኢሉ
- ኣብ ሓድሽ ፍሉይ ጾታዊ ርክብ ምስ ንጅምር
- ኣብ ዓመት ሓንሳእ ወይ ብዙሕ ግዜ፣ ከከም ብዝሒ ጾታዊ መጻምድቲ መሰረት ብምግባር
- ጾታዊ መጻምዲ/ድቲ ብኤችኣይቪ ወይ ካልእ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ተመርሚሩ ሕማም ኣሎካ እንተተባሂሉ
- ምልክታት ረኽሲ ምስ ዝርኣዩ።
ንኹሉ ሰብ ሓደ ዓይነት መርመራታት ክግበር ኣይምከርን። ብዛዕባ ኩነታትካ ዝምልከት ካብ ሓደ/ሓንቲ ክኢላ ምኽሪ ምዝርራብ የድሊ ።
ኣበይ ክምርመር ይኽእልን እቶም መርመራታት ክንደይ ይኽፈሉን፧
እቶም መርመራታት ኣብ ማእከላት መርመራ፡ ኣብ ሆስፒታላት ወይውን ማእከላት ጾታዊ ጥዕናን ናይ ቸክፖይንት ነቑጣታትን ምኻድ ወይውን ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓኪም ክፍጸሙ ይኽእሉ። እዞም መርመራታት ደም ብምውሳድ (ካብ ሰራውር ወይ ጫፍ ኣጻብዕቲ)፣ ካብ ውሽጢ ርሕሚ፣ ካብ መቐመጫ፣ ካብ ማህጸን፣ኣፍ ናሙና/ፕረለቭማ ብምውሳድ ወይ መርመራ ናይ ሽንቲ ክካየዱ ይኽእሉ።እቶም ዝካየዱ መርመራታት ኣብ ጾታዊ ልምድታትን ዓይነት ረኽስን ዝተመርኮሱ እዮም። እቶም ዝካየዱ መርመራታት ብናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ትካላት ዝኽፈሉ ኮይኖም፡ በዓል ሞያ ሕክምና ዶክተር እንተ ኣዚዙሎምን ናይቲ ኩንትራት ናይቲ ኢንሹራንስ ቅድመ-ኩነት (ፍራንሽስ፡ ሓባራዊ ክፍሊት) እንተ ተማሊኡን እዩ ነቲ ወጻኢ ናይ መርመራ ኢንሹራንስ ዝኸፍሎ። ገለ ገለ ማእከላት ስሞም ዘይተገልጸ ወይ ኣኖንይም መርመራታት ብዝሓሰረ ዋጋ የቕርባ።
ነቲ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ሓደጋታት ብኸመይ ከነጉድሎ ንኽእል፧
- ኣንጻር ሄፓታይተስ ኤን ቢን፡ ኣንጻር ቫይረሳት ፓፒሎማ ህዩማን (HPV)ን Mpoxን ክትክተብ ይከኣል እዩ። እዚ ድማ ንሓደጋ ረኽሲ ከጉድል ከምኡውን ረኽሲ ከወግድ ይኽእል። ክታበት ኣድላዪ እንተኾይኑን ኣየናይ ምዃኑን ምስ ሓኪምኩም ተዘራረቡ።
- ብመቐመጫ ይኹን ብኣፍን ርሕሚ ምእታው ዘለዎ ስጋዊ ርክብ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ኮንዶም ክንጥቀም ኣሎና። ኮንዶም ምጥቃም ኣብ እዋን ምእታው/ፔኔትሬሽን ዘለዎ ጾታዊ ርክብ ብመቐመጫ ወይ ብርሕሚ ንሓደጋ ረኽሲ ኤችኣይቪ ኣብ ምንካይ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኮንዶም ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ናይ ምትሕልላፍ ሓደጋ የጉድል።
- ናይ ጾታዊ ርክብ መጻወቲ/ሴክስ ቶይ ንሓደ ክፍተት ጥራይ (ንመቐመጫ፣ ንርሕሚ፣ ንኣፍ) ክንጥቀም ይግባእ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ሰብ ወይ ካልእ ክፍተት ኣካላት ፣ ነቲ ናይ ጾታዊ ርክብ መጻወቲ/ ሴክስ ቶይ ከምብሓድሽ ክትጥቀሙ ምስ ትደልዩ፣ ነቲ ንዋት ክትሓጽብዎ ወይ ሓድሽ ኮንዶም ክትጥቀሙ ይግባእ።
- ናይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት/ STIs መርመራ ምግባር፣ ንምፍዋስን፣ ኣሉታዊ ሳዕቤን እቲ ሕማም ንምክልኻልን ይሕግዝ። እዚ እውን ነዞም ረኽስታት ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ ንምንካይ ይሕግዝ። ኣየኖት መርመራታት ንዓኻ ኣድላዪ ከም ዝኾነን ኣየናይ መርመራ ከም ተካይዱ ንምፍላጥ ምስ በዓል ሞያ ተዘራረቡ።
- ተወሳኺ ብሕታዊ ለበዋታት ንምርካብ፡ ኣብ lovelife.ch ዝርከብ Safer-Sex-Check/ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ስጋ ሓበሬታታት ተወከሱ።
ኣዳላዊ፣ 2024፡ SEXUELLE GESUNDHEIT SCHWEIZ [ጾታዊ ጥዕና ስዊዘርላንድ]፡ Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive፣ ALECSS፡ Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle፡(ማሕበር ክኢላታት ጾታዊ ጥዕና ናይ ስዊስ ሮማንድ) Éducation – Formation – Conseil (ትምህርቲ ፣ ስልጠና፤ምኽሪ) faseg-
ሕክምናዊ ምጽራይ ትሕዝቶ ብDr. Vanessa Christinet
እዚ ትሕዝቶ ብገንዘባዊ ደገፍ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ጥዕና ፌደራል (FOPH) ዝተመወለ እዩ።