ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ምክልኻል ጥንሲ ከኒና ፕሮጀስታቲቭ

ከኒና ፕሮጀስታቲቭ

እዚ ኸኒና ሲንቴቲክ ሆርሞን ዘለዎ እዩ ገስታጌን ፣ ከምቲ ኣካል ደቀንስትዮ ንዘፍርዮ ዝመሳሰል። ኣብ ሓደ ሓደ ጉዳያት እዘን ሆርሞናት ኣብ ልዕሊ ጥዕና ጽልዋ ክህልወን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ውልቃዊ ኩነታት ምስ ሓደ ናይ ሕክምና ሰብ ሙያ ተማየጣ።

ኣተጋብራ

ከኒና ፕሮጀስታቲቭ

• ምፍራይ እንቋቕሖ ይኽልክል፣ እሱ ነቲ ማሕደር እንቋቕሖ ናብ ናይ ድቃስ ሃለዋት የእትዎ።
• ነቲ ናይ ማሕጸን ድርዕቶ ይቕይሮ ኤንዶሜትሪዩም) ስለዚ ምናልባሽ እንቋቕሖ ኣብኡ ክሕባእ ከምዘይክእል ይገብሮ።
• ነቲ ናይ ክሳድ ማሕጸን ፈሳሲ የሕፍሶ ንፋጥ ክሳድ ማሕጸን) ብኸምኡ ከኣ ዘርኢ ተባዕታይ ንኸይኣቱ ይኽልክል።

እቲ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ሜላታት ብትኽክል ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ እንተኾይኑ በዚ መገዲ ጥንሲ ንኸይፍጠር ምክልኻል ይከኣል እዩ።

ኣጠቓቕማ

  • ከኒና ንመጀመርታ እዋን ትወስዳ እንተዂንክን፡ ነቲ ባኮ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ጻግነ ጀምራ (ኣዋን ጻግነ)= ሻዓ ንሻዓ ምክልኻል።
  • መዓልቲ መዓልቲ አብ ፍሉጥ ዝኮነ ስዓት ምውሳድ፡ (እንተተረሲዑ ጸገም አይምጽን ክሳብ 12 ስዓት)
  • እተን ናይ ጌስታገን-ከኒናታት ብዘይ ምቁራጽ ክውሰዳ ኣለወን። እቲ ባኮ ክውዳእ ከሎ: ብቐጥታ ኣብቲ ዝስዕብ መዓልቲ — ዕረፍቲ ከይተገበረ - ነቲ ሓዲሽ ባኮ ምጅማር (እስኽን ደም ይሃልወክን፣ ወይ ኣይሃልወክን ብዘየገድስ)።
  • ድሕሪ ሕርሲ ምውሳድ ምጅማር ካብታ ከኒና ፕሮጀስታቲቭ ድሕሪ 21 መዓልቲ፡፡ እቲ መከላኸሊ እሙን ዝከውን ድሕሪ አከታቲልካ ምውሳድ ከኒና ናይ 7 መዓልቲ እዩ፡፡

ናይ ጻግነ ደም ዝወሓደ ክኸውን ከምኡ ድማ ካብ እዋን ጻግነ ዝቐለለ ቃንዛ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል። እቲ ደም ዘይምዕሩይ ክኸውን ይኽእል ወይ ድማ ጨሪሱ ይጠፍእ።

እስኽን ከምዚ እንተኾነ...

...ነቲ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ እንዳተጠቀምክን ከለኽን ኣብ ሞንጎ ደም እንተመጸክን፣ ዘሻቕል ጉዳይ ኣይኮነን። ከኒና ምውሳድ ከም ልሙድ ቀጽላ። እስኽን ኣብ ዝስዕባ ኣዋርሕ ቀጻሊ ከምዚ ዓይነት ደም ዘለክን እንተኾይኑ፣ ምስ ሓደ ናይ ሕክምና ሰብ ሙያ ተማየጣ።

...ነቲ መከላክሊ ጥንሲ ምስወሰድክን አንተምሊሱክን ወይ ብርቱዕ ዉጽአት አንተጌሩልክን፣ አቲ ዝወሰድክንኦ ከኒና ምስቲ ተምላስን ዉጽአትን ጥቅሙ ክጠፍእ ስለዝክእል፣ ንዝቅጽል 7  መዓልቲ ኮንዶም ተጠቀማ። ነቲ ከኒና ምስ ወሰድክን ኣብ ውሽጢ 3 ሰዓት እንተ ኣምለሰክን ወይ ድማ ካብ 24 ሰዓታት ንላዕሊ ብርቱዕ ውጽኣት እንተነበረክን፡ ከምብሓድሽ ሓደ ከኒና ውሰዳ (ንምሳለ ነታ ናይ መወዳእታ ከኒና ናይ ባኮ፣ ምኽንያቱ እተን ኣብ ባኮ ምልክት ተገቢርወን ዘለዋ ዕለታት ከይቅየራ)።

...ኣፋውስ ምውሳድ፣ ኣብ ሓደ ናይ ሕክምና ሰብ ሙያ ወይ ድማ ኣብ ፋርማሲ፣ ምክልኻል ዘለክን እንተኾይኑ ኣረጋግጻ። ካብ ዮሃንስ ዕጺ ዝተመረተ፣ ሓደ ሓደ ኣንቲ ባዮቲካ፣ ሓደ ሓደ ፈውሲ ዘውድቕ ሕማም ከምኡ ከኣ ኣፋውስ መከላኸሊ ኤች.ኣይ.ቪ. ነቲ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ኣድማዕነቱ የትሕት ኣዩ። መከላኸሊ ጥንሲ ምውሳድ ቀጽላ ከምኡ ድማ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ኮንዶም ተጠቀማ።

...ነዚ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ሜላ ምጥቃም ኣቋርጻ፣ እቲ ናይ ጥንሲ ምክልኻል ውጽኢት ሻዓ ንሻዓ የቋርጽ። ካብ ጥንሲ ክትከላኸላ እንተደሌኽን፣ እታ ናይ መወዳእታ ከኒና ቅድሚ ምውሳድክን 5 መዓልቲ ኣቐዲምክን ኮንዶም ክትጥቀማ ኣለክን።

... መከላኸሊ ጥንሲ ምቕያር: ብቐጥታ ነቲ ካልእ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ምውሳድ ቀጽላ፣ ዕረፍቲ ኣብ ሞንጎ ከይገበርክን ከምኡ እውን እቲ ጻግነ ክሳብ ዝመጽእ ከይተጸበኽን (እዋን ጻግነ)።

ከኒና ምውሳድ ካብ 12 ሰዓታት ኣብ ዝወሓደ እዋን ምርሳዕ

  • ነቲ ተረሲዑ ዘሎ ከኒና ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍክን ውሰዳ።
  • መከላከሊ ጥንሲ ኣብሰዓትክን ምዉሳድ አንተረሲክን ፣ ነታ ዝረሳአክነኣ ከኒና ቅድሚ 12 ሰዓት ነታ ዝረሳዕክነኣ ከኒና ብዝተካአለ ቀልጢፍክን ዉሰድአ።

 

እንታይ ክንገብር ኣለና?

  • ብዝተካእለ መጠን ምውሳድ እታ ዝተረስዔት ከኒና ዋላ 2 ከኒና ኣብ ሓደ መዓልትን
    አብ ሓደ እዋንን ክንወስድ እንተተገደድና፡፡
  • እንተድአ ጾታዊ ርክብ ዘይተካይዱ አብታ ዝተረስዕትላ መዓልቲ ወይ ድማ ቅድሚ 7 መዓልቲ፡
    ምውሳድ ምቅጻል እታ ጥማር ብተወሳኪ ኮንዶም ምጥቃም ን 7 መዓልቲ፡፡
  • ኣብዘን ዝሓለፋ 7 መዓልታት ጾታዊ ርክብ መፊጽምክን እንተዂንክን፣ምስ ቤት ጽሕፈት ምኽሪ ጥዕና ጾታዊ ርክብን ውጥን ስድራቤትን ወይ ድማ ምስ ሓኻይምክን ተራኸባ።
    ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከድልየክን ይኽእል እዩ። እዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ክግበር ኣለዎ– ከከም ሜላ ምክልኻል እንተደንጎየ ድሕሪ 72 ሰዓት ወይ ድማ 120 ሰዓት ድሕሪ እቲ ብቑዕ ምክልኻል ዘይተገብሮ ጾታዊ ርክብ («ህጹጽ ምክልኻል ጥንሲ» ርኣያ)
  • ንግዚኡ ምቅጻል ምውሳድ ከኒና እንተድአ ጾታዊ ርክብ ክትገብራ ደሊክን ግን
    ኮንዶም ተጠቀማ ን 7 መዓልቲ፡፡
  • ክልተ ወይ ልዕሊኡ እንተረሲዕክን ግን ንማእከል ውጥን ስድራ ቤት ወይ ድማ ንሐኪምክን
    ተወከሳ፡፡ ከም እንደገና እኩል መከላኸሊ ንክህሉ፡ አገዳሲ እዩ ድሕሪ ምርሳዕ ኣከታቲልካ ን 7 መዓልቲ ከኒና ምውሳድ፡፡

ምፍላጥ ጽቡቕ

  • ካብ ኤች.ኣይ.ቪ. ምትሕልላፍን ካብ ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል ዝበለጸ ውሕስነት ዘለዎ ጾታዊ ርክብ እዩ። እዚ ማለት፡
    1. ኣብ ርሕሚ ወይ ድማ ኣብ መዓኮር ንውሽጢ ዝኣቱ ጾታዊ ርክብ ምስ ዝግበር ኮንዶም ምጥቃም።
    2. ካልእ ኩሉ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ www.lovelife.ch.

2023, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

www.migesplus.ch
ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ንጥዕና ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ