ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ምክልኻል ጥንሲ ቀመማት ጸረ ዘርኢ ተባዕታይ ብበንዛኣልኮንዮም

ቀመማት ጸረ ዘርኢ ተባዕታይ ብበንዛኣልኮንዮም

እዚ ቀመማት ጸረ ዘርኢ ንዋህዮታት ዘርኢ ተባዕታይ ይቀትል፡እንድሕር ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ኣብ ማዓሙቅ ርሕሚ አትዩ፡፡

ኣብ ዝኮነ ይኩን እዋን ክንጥቀመሉ ንክእል ዋላ ውን ኣብ ዑደተ ጽግያት፡፡

ዝተፈላለየ ዓይነት፡

  • ክሬም ምስ መእተዊኡ፡ ወይ ድማ(ዕቁን ንሓደ ግዜ)
  • ኦቩል(ብርሕሚ ዝኣቱ)
  • ከኒና(ብርሕሚ ዛአቱ)
  • ታምቦን(አብ ርሕሚ ዛአቱ)

ገለ ካብዚኣቶም ብቅልጡፍ ኣብ ስራሕ ዝውዕሉ ክኮኑ ከለዉ ገለ ግን ካብ 5 ክሳብ 15 ደቃይቅ ምስ ጸኑሑ ይክውን ፡፡ እዚ ታምቦን ዝበልናዮ ኣብ ቦትኡ ን24 ሰዓት ይጸኒሕ፡ ንተዳጋጋሚ ጾታዊ ርክብ ከገልግል እክእል እዩ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ባኮ ዘሎ ጽሑፍ ሓበሬታ ምንባብ፡፡

እዚ ቀመማት ጸረ ዘርኢ ዝተፈላለየ ዓይነት ኣብ ስዊዝ አይርከብን እዩ፡ ኣብ ፋርማሲ ክትሓታ ትክእላ ኢክን፡፡

ሳሙና ምጥቃም ኣየድልን ብተፈላለየ መልክዕ (ዝዓፍር፡ ጀል፡ ወዘተ) ን2 ሰዓት ቅድሚ ጾታዊ ርክብ(ብክልቲኦም ተጸመድቲ ) ክሳብ ዝውዳእ እቲ መከላኸሊ፡፡

ምክባር እቲ ዝተባህለ ኣገባባት ብዛዕባ ሳሙና፡ ምክንያቱ እቲ ፈውሲ ከምቲ ዝግባእ ኣይክሰርሕን እዩ፡፡

  • ሳሙና ከበላሽዎ ይክእል ነቲ ቀመማት
  • ዝኮነ ምሕንባስ ድዩ ወላ ኩሉ ነብስካ ኣብ ባኞ ምእታው ነቲ ነገር ከልምሶ ይክእል እዩ፡፡
  • ምሕጻብ ብማይ ጽሩይ ወይ ድማ በቲ ፋብሪካ ሰራሕ ጸረ ዘርኢ ዝተኣዘዘ ክከውን አለዎ፡፡

ሓበሬታ

  • ብሳሙና ዘይበላሸዉ ቀመማት ጸረ ዘርኢ ውን ኣለዉ፡፡ በይኖም እንተ ደኣ ተጠቂምናሎም ግን ውሕስነቶም ውሑድ እዩ፡፡ ኩሉ ግዜ ምስ ካልኦት መከላከሊ ጥንሲ ሓዊስና ክንጥቀመሎም ኣለና(ከም ኮንዶም ወይ ድያፍራግም)፡፡ እዚ ቀመማት ጸረ ዘርኢ ብበንዛኣልኮንዮም ብተወሳኪ ውን መጽረይ ቁስሊ እዩ፡፡

ክፍለጥ ዘለዎ

  • እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ካብ ምልካፍ ኤች.ኣይ.ቪን ካልኦት ንብስጋዊ ርክባት ዝመሓላለፉ ሕማማትን፡ ሴፈር ሴክስ እዩ። እዚ ማለት፡
    1. ስጋዊ ርክባት ብብልዕቲ ወይ ብምትንኻፍ(መትሎ) ንመዓኮር ክግበር እንከሎ፡ ግድነት ኣቡሰላማ ናይ ወዲተባዕታይ ወይ ጛለንስተይቲ ምጥቃም)።
    2. ተወሳኺ፡ ንነፍሲ ወከፍ ንግሉ ዝሰማምዖ ኣብ Safer-Sex-Check ኣብ lovelife.ch ይርከብ።

2018, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

www.migesplus.ch
ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ንጥዕና ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ