ኮንዶም ጓለንስተይቲ
እንተድአ ብአገባብ ተጠቂምናሉ፡ ኮንዶም ጓለንስተይቲ ከም መከላኸሊ ጥንሲን፡ ካልኦት
ረክስታት ብጾታዊ ርክብ ዝማሓላለፉ ከም ኤች.አይ.ቪ. /አይድስ ክከላኸል ይክእል፡፡
እንታይ ማለት እዩ?
ቅርጹ ከረጺት ዝመሰል ብሉስሉስ ፕላስቲክ ዝተሰርሔ አብ ክልተ ወገኑ ቀለቤት ዘለዎ ኮይኑ እቲ ናይ ውሽጢ ቀለቤት ግን ነጻ እዩ፡፡
አገባብ አጠቃቅማ
ሓንሳብ አብ ቦትኡ ምስ አተወ እቲ ከረጺት ድማ ነቲ ዙርያ ናይ ርሕሚ ይሽፍኖ፡ ነቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብ ርሕሚ ይኩን ናብ ማህጸን ንክይአቱ ይክልክሎ፡፡ እቲ ናቱ ምእታው አብ ምቅናዕ መትሎ ዝተሞርኮሰ አይኮነን፡ ስለዚ አቀዲምካ አብ ቦትኡ ክአቱ ይክእል እዩ፡፡ ወዲ ተባዕታይ ድማ ቅድሚ ምፍሳሱ ንመትሎ ክውጽኦ አይግደድን፡፡
- ንሓድ ግዜ ጥራሕ የገልግል፡፡
ክግበር ዘለዎ
- ዝወድቀሉ ዕለት ምስትብሃል
- አብ ብርሃን፡ ሙቆት፡ በሊሕ ነገር፡ ወይ ውን ዝቆርጽ ነገር ዘለዎ ቦታ አይተቀምጥዎ፡፡
- መታን ድምጺ ክቅንስ ብጎማ ስለዝተሰርሐ አብቲ እዋን ጾታዊ ርክብ፡ አብቲ ኮንዶም መለስለሲ
ከነእትወሉ ንክእል ኢና፡፡
መታን ትአማንነቱ ክልዕል እቲ ኮንዶም አብ ቦትኡ ክአቱ አለዎ ቅድሚ እቲ ጾታዊ ርክብ
አብቲ ጫፍ ናይ መትሎ ሓደ ፈሳሲ ቅብአት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ወይ ውን ጠንቂ ረክስታት ዝሓዙ ከም ኤች.አይ.ቪ. /አይድስ ክህልዉ ስለዝክእሉ፡፡
አጠቃቅማ

1. ሒዝክን ነታ ቀለቤት ናብ ውሽጢ ድፍአአ ናብቲ ዝዕሞቀ ክፍሊ ናይ ርሕሚ፡፡ እቲ ናይ ደገ ቀልቤት ዝገፍሔ አብ ቦትኡ ይከውን አብ ልዕሊ ግዳማዊ ብልዕቲ

2. አብቲ ጾታዊ ርክብ ምትሓዛ ነታ ቀለቤት ናይ ደገ አብ ልዕሊ ግዳማዊ ብልዕት መታን ጽቡቅ አብ ቦትኡ ክጸንሕ፡፡

3. ንምውጽኡ ጠዊካ ነታ ቀልቤት ናይ ደገ ተጠንቂቅካ ምስሓብ
አብ ጓሓፍ እምበር አብ ሽቃቅ አይትደርብይዎ፡፡
ኮንዶም ደቀንስትዮ ብጣዕሚ ሳሕቲ እዩ ዝቕደድ። ከምዚ እንተጋጠመ፣
ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከድልየክን ይኽእል እዩ።
እዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ክግበር ኣለዎ– ከከም ሜላ ምክልኻል እንተደንጎየ ድሕሪ 72 ሰዓት ወይ ድማ 120 ሰዓት ድሕሪ እቲ ብቑዕ ምክልኻል ዘይተገብሮ ጾታዊ ርክብ( «ህጹጽ ምክልኻል ጥንሲ» ርኣያ)።
ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ኣበይ እረክብ?
- አብ ማእከል ውጥን ስድራ ቤት፡
- አብ ፋርማሲ ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ፡
- አብ ክፍሊ ሕክምና ህጹጽ ረዲኤት፡
- አብ እንዳ ሓኪም ናይ ማህጸን ወይ ውን ካልኦት ሓካይም፡፡
መታን ጽቡቅ ክስማዕክን
ንበይንክን ቅድም ተላማመዳ ብድሕርኡ ቀሊል ይከውን ንክልተኩም፡ ኣቀዲምኩም ምንጋር ንተጻማዲ ወይ ተጻማዲት፡፡
2015, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung
www.migesplus.ch
ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ንጥዕና ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት
ብዛዕባ ትሕዝቶ ቀጻሊ ሓበሬታ
- ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ብዘይ ሆርሞን
- አብ ቆርበት ዝጥቃዕ መከላከሊ
- ቆብዕ ማህጸን
- ኮንዶም ወዲ ተባዕታይ
- ቀመማት ጸረ ዘርኢ ተባዕታይ ብበንዛኣልኮንዮም
- እቲ ሽፒራል
- ኣብ ትሕቲ ቆርበት ዝኣቱ
- ኣኣብ ሰለስተ ወርሒ ዝውጋእ መርፍእ
- ትአማንነቱ ውሑድ ኣገባብ መከላኸሊ ጥንሲ
- ባህርያዊ ኣገባባት ወጢንካ ምውላድ
- ነንስትን ሰብኡትን ምምካን
- ሜላታት ምክልኻል ጥንሲ ንሰብኡት
- ከኒና ፕሮጀስታቲቭ
- ከኒና (ኦስትሮጌንን ገስትሮጌንን) ምስ ዕረፍቲ
- ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ
- ቀለቤት ርሕሚ
- ከኒና ኦስተሮፕርጅስታቲቭ ከይኣቋረጽካ ዝውሰድ እንታይ