ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ምክልኻል ጥንሲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ

ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ

ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ብከምዚ ዝቕጽላ ዘለዋ ኩነታት ከጋጥም ካብ ዝኽእል ጥንሲ ክኸላኸል ይኽእል እዩ

  • ኮንዶም እንተተበትከ ወይ ድማ ሸተት እንተበለ
  • ሆርሞናዊ ምኽልኻል ጥንሲ እንተተረስዔ (ከኒና፣ ቫጊናል ሪንግ፣ መከላኸሊ ፕላስተር)
  • ብዘይ መከላኸሊ ወይ ድማ ብቑዕ ዝኮነ ምክልኻል ዘይተገብረሉ ግብረ ስጋዊ ርክብ (ንአብነት፤  ስጋዊ ርክብ  አብ ዝግበረሉ ሰዓት እቲ ወዲ ቅድሚ ምፍሳሱ ብልእቱ ካብ ብልእቲ  ጞላንስተይቲ  አውጺኡ ከፍስስ ክሎን ወይ አገዲድካ አብ ዝፍጸም ስጋዊ ርክብ)

ኣብ ስዊዘርላንድ ክልተ ዓይነት ሜላታት ናይ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ኣሎ።

  1. ህጹጽ መድሃኒት መከላኸሊ ጥንሲ
  2. ድሕረ ስፒራል (ስፒራል ጥላጋ)

1. መድሃኒታዊ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ

መድሃኒታዊ ህጹጽ መከላኸሊ(«ከኒና ድሕረ ሓደጋ ምግጣሙ») ዝወሓጥ መድሃኒት ኮይኑ፡ ቀንዲ ዕላምኡ ነቲ ፍርያት እንቓቕሖ የደናጉዮ።

መዓስይውሰድ፧

ብዝተኻእለ መጠን፡ ብቕልጡፍ ከከም ዓይነት መድሃኒት ድሕሪ ሓደጋ ምግጣሙ ኣብ ውሽጢ 72 ወይ 120 ሰዓታት ይውሰድ።

ኣበይይረኽቦ፧

  • ኣብ ቤት መድሃኒት
  • ኣብ ብዙሓት ትካላት ኣማኸርቲ ብዛዕባ ግብረ ስጋዊ ጥዕና
  • ኣብ ናይ ደቀንስትዮን ሓፈሻዊ ሓካይምን

ብዛዕባመድሃኒታዊህጹጽመከላኸሊጥንሲእንታይክፈልጥኣለኒ፧

  • መድሃኒታዊ ህጹጽ መከላኸሊ፡ ካብቲ ደንጉዩ ዝግበር ስጋዊ ርክብ ካብ ጥንሲ ከምዘይከላኸል። በዚ ምኽንያት ነቲ ፈውሲ ድሕሪ ምውሳድክን ንዘሎ እዋን፣ ነቲ ኣድማዒ ዝኾነ መከላኸሊ(ኣቡሰላማ) ምጥቃም ኣገዳሲ እዩ።
  • እዚ ነቲ ንቡር መከላኸሊ ጥንሲ ኣይትክእን እዩ(ኣቡሳለማ ወይ መድሃኒታዊ መከላኸሊ ጥንሲ)።
  • ነቲ ተታሒዙ ዘሎ ጥንሲ ንምውራድ ዝጠቅም ሜላ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ እቲ ተታሒዙ ዘሎ ጥንሲ ምንም ዓይነት ጽልዋ የብሉን።
  • እዚ መድሃኒታዊ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ኣብ ተጥብበሉ ግዜውን ክውሰድ ከምዝከኣል።
  • እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ምስ ወሰድክን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓታት እንተኣምለሰክን ናብቲ መድሃኒት ዝሃበንኪ በዓል ሞያ ወይ ተረኛ ቤት መድሃኒት ተወከሳ።

2. ድሓሪ ሓደጋ ዝግበር ስፒራል (ስፒራል ጥላጋ)

እቲ ስፒራል ብሓንቲ ወይ ብሓደ ሓኪም ኣብ ውሽጢ ማህጸን ይኣቱ። ስፒራል ካብ ሓንቲ ንእሽቶ ላስቲክን ንዕኡ ዝኸበቦ ፈትሊ ጥላጋን ዝተሰርሓ እዩ። እቲ ጥላጋ ነቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከምዘይፈሪ ይገብሮ። ነቲ ድቂ ዘሎ እንቋቕሖ ሴል እውን ኣብኡ ከምዘይፈሪ ይገብሮ።

መዓስይኣቱ፧

ድሕሪ ሓደጋ ምግጣሙ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት(እንተ በዝሓ 120 ሰዓታት)።

ኣበይእረኽቦ፧

  • ኣብ ክፍሊ ኢሜርጀንሲ ናይ ሆስፒታላት
  • ኣብ እንዳ ሓኻይም ደቀንስትዮ
  • ኣብ ሓደ ብሓኻይም ዝተሰነየ ቤተ-ምኽሪ ናይ ግብረ-ስጋዊ ጥዕናን መደብ ስድራ-ቤትን

ብዛዕባእቲድሕሪስፒራልዝግበርክፈልጦዘሎኒ፧

  • ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ዝበለጸ ውሕስና ዘለዎ ሜላ እዩ።
  • ድሓር እቲ ሓደጋ ምግጣሙ ዝግበር ስፒራል ንብዙሕ ዓመታት ከም መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀመሉ ይከኣል። ኣብ ልዕሊ እቲ ንቡር ወርሓዊ ጽግያት ጽልዋ ከምዘይብሉ።

እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከም ዝጠቐመ ከመይ ገይረ እፈልጥ፧

  • ነቲ ዝቕጽል ጽግያት(ፐሬድ፣ ወርሓዊ ደም) ክጅምር ከሎ ምክትታል፡ እሱ ካብ እቲ ንቡር ቀልጢፉ ወይ ደንጉዩ ክመጽእ ይኽእል እዩ።
  • ድሕሪ እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ምውሳድ ኣብ ውሽጢ 3 ሳምንታት ናይ ጥንሲ መርመራ ኣድላዩ ዝኸውን
    - ጽግያት እንተዘይመጸኪ።
    - ጽግያትኪ ካብ ንቡር ፍልይ ምስ ዝብል።
    - መድሃኒታዊ(ሆርሞናዊ) መከላኸሊ ጥንሲ ትጥቀሚ እንተዄንኪ።

ክፍለጥ ዘለዎ

  • እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ካብ ምልካፍ ኤች.ኣይ.ቪን ካልኦት ንብስጋዊ ርክባት ዝመሓላለፉ ሕማማትን፡ ሴፈር ሴክስ እዩ። እዚ ማለት፡
    1. ስጋዊ ርክባት ብብልዕቲ ወይ ብምትንኻፍ(መትሎ) ንመዓኮር ክግበር እንከሎ፡ ግድነት ኣቡሰላማ ናይ ወዲተባዕታይ ወይ ጛለንስተይቲ ምጥቃም)።
    2. ተወሳኺ፡ ንነፍሲ ወከፍ ንግሉ ዝሰማምዖ ኣብ Safer-Sex-Check ኣብ lovelife.ch ይርከብ።

2018, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

ብተጋባራውን ገንዘባውን ሓገዝ migesplus ዝተዳለወ
www.migesplus.ch – ንጥዕና ዝምልከት ሓበሬታ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ