ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ምክልኻል ጥንሲ ኮንዶም ወዲ ተባዕታይ

ኮንዶም ወዲ ተባዕታይ

ብግቡእ ምጥቃም ኮንዶም ወዲ ተባዕታይ ከም መከላኸሊ ጥንሲን ከም መከላኸሊ ካልኦት ብጸታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ከም ኤች.ኣይ.ቪ ዘተኣማምን ክከውን ይክእል እዩ፡፡

ንመትሎ ኣብ ርሕሚ ወይ ኣብ መሃንቱስ(መዓኮር) ቅድሚ ምእታው ኣቡሰላማ ምጥቃም።

እንታይ ማለት እዩ?

ከረጺት መሰል ብፕላስቲክ ዝተሰርሐ ኣብ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ዝአቱ ክይኑ ቅብኣት ዘለዎ እዩ፡፡

ኣገባብ ኣጠቃቅማ

ሓንሳብ እንድሕር ኣብ ቦትኡ ኣእቲካዮ፡ ነቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብ ርሕሚ ንከይፈሲስ እሞ ናብ ማህጸን ከይኣቱ ይከላኸል፡፡

መታሕሳሰቢ

  • ጥዑይ ኮንዶም ጥራሕ ግዝኡ ኦኬ ወይ ድማ ሲኢ « OK » ou « CE »ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ፡፡
  • እቲ ዝወድቀሉ ዕለት ምስትብሃል
  • ኣብ ውሽጢ ባኮ ኮይኑ ኣብ ብርሃን፡ ሙቀት፡ በሊሕ ወይ ዝቆርጽ ነገር፡ ዘለዎ ቦታ ዘይምቅማጡ፡፡
  • እቲ መለስለሲ ካብ ማይን ሲሊኮንን ዝኾነ ቅብኣት ጥራይ ተጠቀም፡: ስብሒ (ቫዘሊን፣ ዘይቲ፣ ማርገሪን)፣ ስፐርሚሲድ ወይ ድማ ቃንጥሻ ወይ ጡብ ኣድጊ ንምፍዋስ ዝግበር ሕክምና ነቲ ኣቡሰላማ ከበላሽዉ ይኽእሉ እዮም። ብሕክምና መሰረት ኣብ ብልዕቲ ወይ ኣብ መሃንቱስ(መዓኮር) ዝልከ ቅብኣት ወይ ዝኣቱ መድሃኒት እንዳተጠቀምካ ኣቡሰላማ ንምጥቃም ኣቐዲምካ ንሓኪም ምውካስ። ተዘይኮነ ካብ ስጋዊ ርክብ ምቑጣብ።
  • ዝተፈላለየ ፎርማ ዕብየት ዘለዎም ኮንዶም ኣለው፡ እቶም ኮንዶም ብፕላስቲክ ዝተሰርሑ ክይኖም ብፎርማን ዓቀንን ነቲ መትሎ ዝሳማምዕዎ ክኮኑ አለዎም ንድሕነትን ምችኦትን(መታን ክይቅደድን ሸተት ከይብል)፡፡
    www.mysize.ch
  • ንስክንን መጻመድክንን ኣለርጂ (ቁጦዖ) ትገብሩ እንተ ኮንኩም ብሰንኪ እቲ ላተክስ ፕላስቲክ ናይ ኮንዶም ብካልእ ፕላስቲ ዝተሰርሑ ኮንዶም ተጠቀሙ፡፡
    ሓበሬታ ሕተቱ!
  • መታን ጽቡቅ ክስማዕክን ንበይንክን ቅድም ተላማመዳ ብድሕርኡ ቀሊል ይከውን ንክልተኩም፡ ኣቀዲምኩም ምንጋር ንተጻማዲ ወይ ተጻማዲት፡፡

ኣጠቃቅማ

1. ነቲ መጠቅለሊኡ ቀስ ጌርኩም ክፈትዎ፡

መታን እቲ ኮንዶም ከይበላሾ ብጽፍርኩም ወይ ድማ ካሊእ በሊሕ ነገር!

2 ነቲ ቆርበት ንድሕሪት ስሓብዎ
3. ጽቅጥ ኣብልዎ ነቲ ጫፍ ናይ መዕቆሪ ብክልተ ኣጻብዕቲ መታን እቲ ኣየር ክወጽእ ቦታ ክረኪብ
እቲ ዝወጽእ ዘርኢ ተባዕታይ፡፡

4. ኣብ ዝቀንዐ መትሎ ኣእትውዎ ነቲ ኮንዶም እቲ ከቢብ ነገር ዝዝርጋሕ ንደገ ክከውን ኣለዎ ብድሕሪኡ ክሳብ ታሕቲ ዘርግሕዎ፡፡

5. ድሕሪ ምስዳድ መትሎ፡ካብ ርሕሚ ተጠንቂቅኩም ኣውጽእዎ እቲ ኮንዶም መታን ሸተት ከይብል ሞ እቲ ዘርኢ ተባዕታይ ከይፈሲስ ኣብ ርሕሚ፡፡

ንሓደ ግዜ ጥራይ ተጠቀምሉ ነቲ ኮንዶም፡ ምስ ተጠቀምኩምሉ ኣብ ጉሓፍ እንበር ኣብ ሽቃቅ አይትደርብይዎ፡፡

ኣብ ህጹጽ ጉዳይ

እኹል መከላኸሊ ጥንሲ ተዘይብልክን፡ ህጹጹ መከላኸሊ ሕተታ።

  • ኮንዶም እንተተበትከ ወይ ድማ ሸተት እንተበለ
  • ብዘይ መከላኸሊ ወይ ድማ ብቑዕ ዝኮነ ምክልኻል ዘይተገብረሉ ግብረ ስጋዊ ርክብ (ንአብነት፤  ስጋዊ ርክብ  አብ ዝግበረሉ ሰዓት እቲ ወዲ ቅድሚ ምፍሳሱ ብልእቱ ካብ ብልእቲ  ጞላንስተይቲ  አውጺኡ ከፍስስ ክሎን ወይ አገዲድካ አብ ዝፍጸም ስጋዊ ርክብ)

ህጹጽ መከላኸሊ፡ ንምጥናስ ካብ ዘጋጥም ሓደጋ የጛድል። እንተኾነ ግን ብዝተኻእለ መጠን እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ  ከከም ኣጣቓቕምኡ እንተደንጎየ ኣብ ውሽጢ 72 ክሳብ 120 ዘሎ ሰዓታት ክውሰድ ኣለዎ። ቐልጢፍካ ምውሳ ዝበለጸ ውጽኢት ኣለዎ(ህጹጽ መድሃኒት ርኣ)።

እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ኣበይ ይርከብ፧

ኤች.ኣይ.ቪ. (ኤይድስ) ካብ ምልጋብ ብቑዕ ዝኾነ መከላኸሊ ዘይገበርኩም እንተዅንኩም፣ ንድሕረ-ምቅላዕ-መከላኸሊ (PEP) ሕተቱ:

  • እቲ ኣቡሰላማ(ኮንዶም) እንተተቐደደ።
  • ኣቡሰላማ(ኮንዶም) ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ወይ መሃንቱስ(መዓኮር) እንተተሪፈ።

ኣፋውስ ኣንቲሬትሮቪራል ካብ ኤች.ኣይ.ቪ. ምልጋብ ንዝህሉ ሓደጋ የጛድል እዩ። PEP(መድሃኒት) እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ምውሳድ ክጅመር ኣለዎ። ቐልጢፍካ ምጅማር ዝበለጸ ውጽኢት ኣለዎ። እቲ ሕክምና ኣርባዕተ ሳምንታት ይወስድ። ነቲ ክፍሊት መድሕን ጥዕና ይሽፍንዎ(ይኸፍሎ)።

ብስጋዊ ርክባት ዝላገባ መልከፍቲ(STI) ብዝበለጸ ምስ ሓካይም ተላዘቡ።

እቲ PEP ኣበይ እዩ ዝርከብ፧

ሓደ ሓደ ብስጋዊ ርክባት ዝመሓላለፉ ናይ ረኽሲ ሕማማት(STI) ብቐጥታዊ ርክባት ምስ ረቀቕቲ ቖርበታት ወይ ቆርበት ንቆርበት ክመሓላለፍ ከምዝኽእል።

ብዝሓሸ ከመይ ጌርኩም ክትከላኸሉ ከምትኽእሉ ኣብ sefer Sex Check ተዓዘቡ።

ብዛዕባ ብወሲባዊ ርክብ ዝላገባ ሕማማት ስፍሕ ዝበለ ሓበሬታ

2018, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

www.migesplus.ch
ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ንጥዕና ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ