ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ምክልኻል ጥንሲ ቀለቤት ርሕሚ

ቀለቤት ርሕሚ

እቲ ካብ ፕላስቲክ ዝተሰርሐ ልስሉስ ቀለቤት ስፍሓቱ 54 ሚሊሜተር ናብ ርሕሚ (ምጥሪ) ይኣቱ። እዚ ሲንቴቲክ ሆርሞን ዘለዎ እዩ (ኦስትሮጌንን ገስታጌንን)፣ ከምቲ ኣካል ደቀንስትዮ ንዘፍርዮ ዝመሳሰል። ኣብ ሓደ ሓደ ጉዳያት እዘን ሆርሞናት ኣብ ልዕሊ ጥዕና ጽልዋ ክህልወን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ውልቃዊ ኩነታት ምስ ሓደ ናይ ሕክምና ሰብ ሙያ ተማየጣ።

ኣተጋብራ

ቀለቤት ርሕሚ

  • ምፍራይ እንቋቕሖ ይኽልክል፣ እሱ ነቲ ማሕደር እንቋቕሖ ናብ ናይ ድቃስ ሃለዋት የእትዎ።
  • ነቲ ናይ ማሕጸን ድርዕቶ ይቕይሮ ኤንዶሜትሪዩም) ስለዚ ምናልባሽ እንቋቕሖ ኣብኡ ክሕባእ ከምዘይክእል ይገብሮ።
  • ነቲ ናይ ክሳድ ማሕጸን ፈሳሲ የሕፍሶ ንፋጥ ክሳድ ማሕጸን) ብኸምኡ ከኣ ዘርኢ ተባዕታይ ንኸይኣቱ ይኽልክል።

እቲ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ሜላታት ብትኽክል ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ እንተኾይኑ በዚ መገዲ ጥንሲ ንኸይፍጠር ምክልኻል ይከኣል እዩ።

አገባብ አጠቃቅምኡ

ነቲ ቀለቤት ናብ ርሕሚ ምእታው ከምኡ ድማ ንዕኡ ኣብ ውሽጢ ንቀጻሊ 3 ሰሙናት ኣብኡ ግደፍኦ። ድሕሪ 3 ሰሙናት ነቲ ቀለቤት ኣውጽኦኦ ከምኡ ድማ ንሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ይገበር። ድሕሪኡ ብሓደ ሓዲሽ ቀለቤት ጀምራ።

  • ነቲ ቀለቤት ንመጀመርታ እዋን ምጥቃም ዝጀመርክን እንተኾይኑ፣ ነዚ ኣብ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ጻግነ ኣብ ርሕመኽን ኣእትውኦ = ሻዓ ንሻዓ ምክልኻል። እቲ ሜላ ድሕሪ ካልኣይ መዓልቲ ናይ ጻግነ ዝተጀመረ እንተኾይኑ፣ ኣብተን 7 መዓልታት ኮንዶም ተጠቀማ።
  • ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ሓደ ሓዲሽ ቀለቤት ኣእትዋ፣ ልክዕ ከምቲ ናይ መጀመርታ ጊዜ ኣብታ ናይ ሰሙን መዓልቲ።

ነዚ ሜላ ብትኽክል ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ እንተኾይኑ ኣብ እዋን ዕረፍቲ እውን ምክልኻል ይረጋገጽ ኣዩ።

እቲ ምውጻእ ደም ኣብ እዋን ዕረፍቲ እዩ ዝጅምር ከምኡ እውን ድሕሪኡ ኣብ እዋን ጻግነ ሓይሉ ትሕት ዝበለ እዩ ቃንዛውን ዝተሓተ እዩ።

ንአብነት

  • ቀለቤት ንመጀመርያ ግዜ ሮቡዕ ከባቢ ስዓት 10 ናይ ምሸት እንተድአ አትዩ፡ ድሕሪ 3 ሰሙን ሮቡዕ ከባቢ ስዓት 10 ናይ ምሸት ድማ ክወጽእ ኣለዎ፡፡
  • 1 ሰሙን ዕረፍቲ ምግባር ድሕሪኡ ሓደ ሓዲሽ ቀለቤት ምእታው: ረቡዕ ሰዓት 22። እቲ ዕረፍቲ ብምንም ዓይነት ካብ 1 ሰሙን ንላዕሊ ክወስድ የብሉን።

ምእታውን ምውጹኡን

1. ነታ ቀለቤት ብዓባይቶን ብአመልካቲቶን ብምጽቃጥ

2. አብ ርሕሚ ምእታዉ
3. ነታ ቀለቤት ብዝተካእለ ናብ ዛዓሞቀ ምድፋእ መታን አብ ቦትአ ክትቆውም እንትድኣ ይስምዓክን ኣሎ ቁሩብ ድፍእ አብሎኦ ናብ ዝዓሞቀ፡፡
4. ነቲ ቀለቤት ንምእላይ፣ ሓደ ኣጻብዕክን ናብ ርሕምኽን ኣእትዋ፣ ነቲ ቀለቤት ሒዝክን ንደገ ኣውጽእኦ። ነቲ ቀለቤት ኣብ ጉሓፍ ደርብይኦ።

እስኽን ከምዚ እንተኾነ

…ነቲ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ እንዳተጠቀምክን ከለኽን ኣብ ሞንጎ ደም እንተመጸክን፣ ዘሻቕል ጉዳይ ኣይኮነን። ናይ ርሕሚ ቀለበት ምጥቃም ከም ልሙድ ቀጽላ።  እስኽን ኣብ ዝስዕባ ኣዋርሕ ቀጻሊ ከምዚ ዓይነት ደም ዘለክን እንተኾይኑ፣ ምስ ሓደ ናይ ሕክምና ሰብ ሙያ ተማየጣ።

...ኣፋውስ ምውሳድ፣ ኣብ ሓደ ናይ ሕክምና ሰብ ሙያ ወይ ድማ ኣብ ፋርማሲ፣ ምክልኻል ዘለክን እንተኾይኑ ኣረጋግጻ። ካብ ዮሃንስ ዕጺ ዝተመረተ፣ ሓደ ሓደ ኣንቲ ባዮቲካ፣ ሓደ ሓደ ፈውሲ ዘውድቕ ሕማም ከምኡ ከኣ ኣፋውስ መከላኸሊ ኤች.ኣይ.ቪ. ነቲ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ኣድማዕነቱ የትሕት ኣዩ። መከላኸሊ ጥንሲ ምውሳድ ቀጽላ ከምኡ ድማ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ኮንዶም ተጠቀማ።

…ነዚ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ሜላ ምጥቃም ኣቋርጻ፣ እቲ ናይ ጥንሲ ምክልኻል ውጽኢት ሻዓ ንሻዓ የቋርጽ። ዝመዓድ፣ ነቲ ቀለቤት ኣብ መወዳእታ ናይ ሳልሳይ ሰሙን ኣልግስኦ።

…ኣብ እዋን ዕረፍቲ ደም ዘይብልክን እንተ ኾይኑ፣ ነቲ ሓዲሽ ቀለቤት ኣብቲ መደብ ዝተገበሮ ዕለት ጀምራ ከምኡ ድማ ናብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንጾታዊ ርክብ ጥዕና ወይ ድማ ናብ ሓደ ሕክምናዊ ሰብ ሙያ ተወከሳ።

ኣብ መወዳእታ ናይ 3. ሰሙን ነቲ ቀለቤት ምእላይ ምርሳዕ

  • ብዝተኻእለክን መጠን ቀልጢፍክን ነቲ ቀለቤት እለይኦ ከምኡ ድማ ኣብቲ ዝተመደበ መዓልቲ ሓደ ሓዲሽ ኣእትዋ። ከምቲ ዝተለመደ ምግባር ቀጽላ።

ድሕሪ ዕረፍቲ ሓደ ሓዲሽ ቀለቤት ምእታው ምርሳዕ

እቲ ብዘይ ቀለቤት ዝተገበረ ዕረፍቲ ካብ ሓደ ሰሙን ንላዕሊ ዝወሰደ እንተኾነ ወይ እቲ ቀለቤት ካብ 4 ሰሙን ንላዕሊ፣ ከይተቐየረ፣ ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ዝተረፈ እንተኾይኑ ፣ ናይ እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ኣድማዕነት ዝተረጋገጸ ኣይኮነን።

ኣብተን ዝሓለፋ 5 መዓልታት ጾታዊ ርክብ ዘይነበረ እንተኾይኑ

  • ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍክን ሓደ ሓዲሽ ቀለቤት ኣእትዋ ከምኡ ድማ ኣብተን 7 መዓልታት ብተወሳኺ ኮንዶም ተጠቀማ።

ኣብተን ዝሓለፋ 5መዓልታት ጾታዊ ርክብ ዝነበረ እንተኾይኑ

  • ብዝተኻእለክን መጠን ቀልጢፍክን ሓደ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ውሰዳ ከምኡ ድማ እቲ ሰብ ሙያ ዝህበክን ማዕዳ ተኸተላ።  
  • ክሳብ እቲ ናይ ጥንሲ ምክልኻል ከም ብሓድሽ ኣድማዒ ዝኸውን፣ ኮንዶም ተጠቀማ። እዚ ከከም እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ዝውሰን እዩ።

እቲ ቀለቤት ብዘይ ፍላጥ ዝወጸ እንተኾይኑ:

እቲ ቀለቤት ካብ 3 ሰዓታት ንታሕቲ ካብ ርሕሚ ወጺኡ ዝጸንሐ እንተኾይኑ፣ እቲ ምክልኻል ጥንሲ ውሕስነት ኣለዎ።

  • ነቲ ቀለቤት ብዝሑል ማይ ወይ ድማ ብዙሕ ብዘይወዓየ ማይ ብዘይ ሳምና ምሕጻብን መሊስክን ናብ ርሕሚ ምእታውን፣ ሓዲሽ ቀለቤት ከይተጠቀምክን።

እቲ ቀለቤት ካብ 3 ሰዓታት ንላዕሊ ካብ ርሕሚ ወጻኢ ዝጸንሐ እንተኾይኑ፣ እቲ ምክልኻል ጥንሲ ውሕስነት የብሉን።

ኣብተን ዝሓለፋ 5 መዓልታት ጾታዊ ርክብ ዘይነበረ እንተኾይኑ

  • ነቲ ቀለቤት መሊስክን ኣእትውኦ ወይ ድማ ብኻልእ ተክእኦ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣብተን 7 መዓልታት ኮንዶም ተጠቀማ።

ኣብተን ዝሓለፋ 5መዓልታት ጾታዊ ርክብ ዝነበረ እንተኾይኑ

1. ሰሙን ምጥቃም

  • ብዝተኻእለክን መጠን ቀልጢፍክን ሓደ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ውሰዳ ከምኡ ድማ እቲ ሰብ ሙያ ዝህበክን ማዕዳ ተኸተላ።
  • ክሳብ እቲ ናይ ጥንሲ ምክልኻል ከም ብሓድሽ ኣድማዒ ዝኸውን፣ ኮንዶም ተጠቀማ። እዚ ከከም እቲ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ዝውሰን እዩ።

2. ሰሙን ምጥቃም

  • ነቲ ቀለቤት መሊስክን ኣእትውኦ ወይ ድማ ብኻልእ ተክእኦ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣብተን 7 መዓልታት ኮንዶም ተጠቀማ።

3. ሰሙን ምጥቃም

ሓደ ሓዲሽ ቀለቤት ምእታው ከምኡ ድማ ነዚ 3 ሰሙናት ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ውሽጢ ግደፍኦ። እቲ ቀለቤት ዝኣትወሉ መዓልቲ፣ ሓዲ መወከሲ መዓልቲ ይኸውን ማለት ኣዩ።

ክፍለጥ ዘለዎ

  • ካብ ኤች.ኣይ.ቪ. ምትሕልላፍን ካብ ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል ዝበለጸ ውሕስነት ዘለዎ ጾታዊ ርክብ እዩ። እዚ ማለት፡
    1. ኣብ ርሕሚ ወይ ድማ ኣብ መዓኮር ንውሽጢ ዝኣቱ ጾታዊ ርክብ ምስ ዝግበር ኮንዶም ምጥቃም።
    2. ካልእ ኩሉ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ www.lovelife.ch.

2023, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

www.migesplus.ch
ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ንጥዕና ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ