ሜላታት ምክልኻል ጥንሲ ንሰብኡት
ሜላታት መከላኸሊ ፍርያት ንደቂ ተባዕትዮ
መከላኸሊ ፍርያት ደቂ ተባዕትዮ, እቶም ብልዕቲ ዘለዎም ሰባት ንፍርያቶም ኪቈጻጸርዎን ኣብ ርክቦም ንመከላኸሊ ፍርያት ሓላፍነት ክስከሙ የኽእሎም
ኣብ ስዊዘርላንድ ዚርከብ
ክቕየር ዝኽእል ሜላታት
ናይ መትሎ ኮንዶም
ኣቡ ሰላማ(ኮንዶም) ረቂቕን ተመጣጥን ዝኾነ ከረጺት ክኸውን እንከሎ፣ ነቲ ተገቲሩ ዘሎ መትሎ ድማ፡ ይኸድኖ። እሱ ነቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብ ውሽጢ ርሕሚ(ብልዕቲ ጛለንስተይቲ) ንኸይኣቱ ይኽልክሎ፣ ንጥንሲ ድማ ይከላኸል።
ከምኡ እውን ካብ ኤች. ኣይ. ቪን ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ይከላኸል።
ኣብ ስዊዘርላንድ ገና ኣብ አዳጋ ዘይተዘርገሔ
- አዚ ናይ ሙቀት መከላከሊ ንናይ መትሎ ሙቀት ብምዉሳክ ነቲ ፍርያት ወዲ ተባአታይ ይቅንሶ። ብተወሳኪዉን ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ኣሎ
- ፍሉይ ዝዓይነ ቡታንቲ ወይ ድማ ሓደ ቀለበት ነቲ ፍረ ነፍሲ ናብ ሱር መትሎ የቕርብኦ።
- ሙቀት ዘለዎ ፋሻ ኣብ ፍሉይ ዝኮነ ቡታንቲ ብምግባር መትሎ ናይ መትሎ ከምዝዉስክ ይገብሮ
- ሆርሞናዊ ሜላ፣ ኣብዚ እዋን አዚ ብመልክዕ መርፍእ ወይ መለግለግ ዚብል ፈሳሲ ( ጀል) ኣብመጽናአትን ፍተናን ይግበር ኣሎ።
ሰብ ዝሰርሆ መለግለግ ዝብል ፈሳሲ ( ጀል) ብመርፍእ ብምውጋእ ዝወሀብ ወይ ዉን ኣብቲ ናይ ዘረኢ ሻምብቆ ንምትካል ምርምር ይግበር ኣሎ። ዕላማኡ ዝዀነ ይኹን ዘርኢ (ዋህዮታት ዘርኢ)ንከይፈሽ ንምግባር አዪ። አቲ ተጠቃሚ ሰብ አንተደልዩ።
ብዛዕባ ዅነታት ምርምርን ዕቤትን እዚ ሜላታት እዚ ኻብ ክኢላታት ጾታዊ ጥዕና ወይ ካብ ሰብ ሞያ ሕክምና ሐበሬታ ክትረክቡ ትክርሉ።
ዘይምለስ ሜላታት
- መጥባሕቲ መትረብ ዘርኢ (ምምካን)
መጥባሕቲ መትረብ ዘርኢ ሓደ ቀሊል ዝኾነ ኣገባብ ክኸውን እንከሎ፣ እዚ መጥባሕቲ ከይሓደርካ ዝግበር ኮይኑ፡ ነቲ ዝጥባሕ ኣካል ጥራይ ኣደንዚዝካ ይግበር። ብመሰረት እዚ መጥባሕቲ፡ ናይ ዘርኢ መተሓላለፊ ይእለ። ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ኣብ ድርጓሖ(ዕልቋቕ) ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣይህልውን።
ድሕሪ ምምካን እቲ ናይ ምግታር(ምውታር) መትሎ ይኹን ወይ ብዝሒ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ(ምፍሳስ) ለውጢ ከምዘይገብር።
እዚ መጥባሕቲ መትራብ ዘርኢ ንሓዋሩ ዝኾነ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። እዚ፡ ቆልዓ ንኽወልዱ ዘይደልዩ፡ ወይ ድማ ተውሳኺ ቆልዓ ዘይደልዩ ደቂ ተባዕትዮ እዩ ዝቃዶ።
ዘይምለስ ሜላታት
- ኮይቱስ ኢንተራፕቱስ («ምጥንቃቕ»፣ «ቅድሚ ምፍሳስ መትሎ ምውጻእ») ካብ ጥንሲ ንምክልኻል እሙን ዝኾነ ብቕዓት የብሉን።
- ኵሎም ሰባት ምስ ኣብያተ ጾታዊ ጥዕና ቤትጽሕፈት ብምርካብ ንአብነት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ፣ መከላኸሊ ጥንሲ። ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማትን ዘይተሓስበ ጥንሲ (ዝተደለየ ወይ ዘይተደለየ) ሐበሬታ ኽረክቡ ይኽእሉ ኢዮም ።
- እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ካብ ምልካፍ ኤች.ኣይ.ቪን ካልኦት ንብስጋዊ ርክባት ዝመሓላለፉ ሕማማትን፡ ሴፈር ሴክስ እዩ። እዚ ማለት፡
1. ስጋዊ ርክባት ብብልዕቲ ወይ ብምትንኻፍ(መትሎ) ንመዓኮር ክግበር እንከሎ፡ ግድነት ኣቡሰላማ ናይ ወዲተባዕታይ ወይ ጛለንስተይቲ ምጥቃም)።
2. ተወሳኺ፡ ንነፍሲ ወከፍ ንግሉ ዝሰማምዖ ኣብ Safer-Sex-Check ኣብ lovelife.ch ይርከብ።
2021, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung
ብዛዕባ ትሕዝቶ ቀጻሊ ሓበሬታ
- ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ብዘይ ሆርሞን
- አብ ቆርበት ዝጥቃዕ መከላከሊ
- ቆብዕ ማህጸን
- ኮንዶም ጓለንስተይቲ
- ኮንዶም ወዲ ተባዕታይ
- ቀመማት ጸረ ዘርኢ ተባዕታይ ብበንዛኣልኮንዮም
- እቲ ሽፒራል
- ኣብ ትሕቲ ቆርበት ዝኣቱ
- ኣኣብ ሰለስተ ወርሒ ዝውጋእ መርፍእ
- ትአማንነቱ ውሑድ ኣገባብ መከላኸሊ ጥንሲ
- ባህርያዊ ኣገባባት ወጢንካ ምውላድ
- ነንስትን ሰብኡትን ምምካን
- ከኒና ፕሮጀስታቲቭ
- ከኒና (ኦስትሮጌንን ገስትሮጌንን) ምስ ዕረፍቲ
- ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ
- ቀለቤት ርሕሚ
- ከኒና ኦስተሮፕርጅስታቲቭ ከይኣቋረጽካ ዝውሰድ እንታይ