ኣብ ትሕቲ ቆርበት ዝኣቱ
ብቆርበት ምስ ኣተወ ንነዊሕ ግዜ ክጸንሕ ዝክእል ሆርሞናዊ ጸረ ጥንሲ እዩ፡ ንእሽቶይ ዘንጊ ፕላስቲክ ብጣዕሚ ረቂቅ ኮይኑ ሆርሞን ፕሮጀስታቲቭ ብውሑድ ዓቀን ይሰድድ፡፡

ብከመይ ይከላከል?
- ጽፍዮ ንከይህሉ ነተን እንቛቝሖ ንነዊሕ ግዜ ከም ዘዕርፋ ይገብር
- ኣብቲ ቀጸላ ማህጸን ውን ዝኮነ ይኩን ናይ ድቂ ምድላዋት ንከይግበር ይከላከል
- ንልፋጭ ክሳድ ማህጸን የሕፍስ መታን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንከይሓልፍ፡፡
አገባብ ኣጠቃቅማ
- ሓኪም ከእትዎ ኣለዎ ዞባዊ መደንዘዚ ብምጥቃም፡
ኣብተን ቀዳሞት መዓልቲ ናይ ጽግያት ወይ ድማ ኣብቲ ግዜ ዕረፍቲ ናይ ከኒና ክአቱ አለዎ፡፡ - ብቀጥታ ኣብቲ ውሽጢ ቆርበት ቅልጽም ይኣቱ፡
- ናይ ምክልካል ጥንሲ ስርሑ ድሕሪ 8 ሰዓት ብምጅማር ን ሰለስተ ዓመት ድማ ይጸንሕ፡፡
- ኣብ ቆርበት ምስ ኣተወ ኣይርኣይን እዩ እንተ ደኣ ዳህሲስናዮ ግን ክሕርፍፍ ይክእል እዮ፡፡
- ከተውጽኦኦ ትደልያሉ እዋን ባዕልክን ትመርጻ፡ ግን ድሕሪ 3 ዓመት ኮይኑ ብዞባዊ መደንዘዚ ክግበር ይከኣል፡፡
ክፍለጥ ዘለዎ
- እቲ ሆርሞን ፕሮጀስታቲቭ አብ ቆርበት ዝአቱ ነቲ ዑደት ጽግያት ከዛናብሎ ይክእል እዩ ፡ማለት ዘይስሩዕ ምድማይ ብዙሕ ግዜ ኣብተን ቀዳሞት ኣዋርሕ ክርአይ ይክአል እዩ፡ ምምጸእ ጽግያት ኣብ ርሕቅ ርሕቅ ዝበለ እዋን፡ ወይ ውን ክጠፍእ ይክእል እዩ፡፡
- ምምላስ ናይ ምፍራይ ክእለት ግን ብቅጽበት ክከውን ይክእል ድሕሪ ምውጽኡ ካብቲ ቆርበት፡፡
ክፍለጥ ዘለዎ
- እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ካብ ምልካፍ ኤች.ኣይ.ቪን ካልኦት ንብስጋዊ ርክባት ዝመሓላለፉ ሕማማትን፡ ሴፈር ሴክስ እዩ። እዚ ማለት፡
1. ስጋዊ ርክባት ብብልዕቲ ወይ ብምትንኻፍ(መትሎ) ንመዓኮር ክግበር እንከሎ፡ ግድነት ኣቡሰላማ ናይ ወዲተባዕታይ ወይ ጛለንስተይቲ ምጥቃም)።
2. ተወሳኺ፡ ንነፍሲ ወከፍ ንግሉ ዝሰማምዖ ኣብ Safer-Sex-Check ኣብ lovelife.ch ይርከብ።
2018, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung
www.migesplus.ch
ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ንጥዕና ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት
ብዛዕባ ትሕዝቶ ቀጻሊ ሓበሬታ
- ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ብዘይ ሆርሞን
- አብ ቆርበት ዝጥቃዕ መከላከሊ
- ቆብዕ ማህጸን
- ኮንዶም ጓለንስተይቲ
- ኮንዶም ወዲ ተባዕታይ
- ቀመማት ጸረ ዘርኢ ተባዕታይ ብበንዛኣልኮንዮም
- እቲ ሽፒራል
- ኣኣብ ሰለስተ ወርሒ ዝውጋእ መርፍእ
- ትአማንነቱ ውሑድ ኣገባብ መከላኸሊ ጥንሲ
- ባህርያዊ ኣገባባት ወጢንካ ምውላድ
- ነንስትን ሰብኡትን ምምካን
- ሜላታት ምክልኻል ጥንሲ ንሰብኡት
- ከኒና ፕሮጀስታቲቭ
- ከኒና (ኦስትሮጌንን ገስትሮጌንን) ምስ ዕረፍቲ
- ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ
- ቀለቤት ርሕሚ
- ከኒና ኦስተሮፕርጅስታቲቭ ከይኣቋረጽካ ዝውሰድ እንታይ