ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ምክልኻል ጥንሲ ከኒና ኦስተሮፕርጅስታቲቭ ከይኣቋረጽካ ዝውሰድ እንታይ

ከኒና ኦስተሮፕርጅስታቲቭ ከይኣቋረጽካ ዝውሰድ እንታይ

እንታይ ማለት እዩ?

እዚ ከኒና ክልተ ሆርሞን ዝሓዘ ኮይኑ ተመሳሳሊ ከምቲ ናይታ ጓለንስተይቲ ተፍርዮ፡ ግን ዓቀኑ ውሕድ ዝበለ
ኮይኑ መዓልታዊ ከየቛረጽካ ዝውሰድ ዋላ ኣብ እዋን ጽግያት እዩ፡፡

እዚ ከኒና ብከመይ ካብ ጥንሲ ይከላኸል?

  • ጽፍዮ ንከይህሉ ነተን እንቛቑሖ ንነዊሕ ግዜ ከም ዘዕርፋ ይገብር፡
  • ኣብ ቀጸላ ማህጸን ውን ዝኮነ ይኩን ናይ ድቂ ምድላዋት ንከይግበር ይከላከል፡
  • ልፋጭ የብዝሕ ኣብ ክሳድ ማህጸን መታን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከይሓልፍ፡

ኣጠቃቅማ

ሓንቲ ጥማር 28 ከኒና ትሕዝ ካብኣተን፡

24 ሆርሞን ዘለወን (ሕብሪ ዘለወን)4 ድማ « ዋላሓንቲ ዘይብለን » (ጻዕዳ ሕብሪ)እንተድኣ ንመጅመርያ ግዜ ከኒና ንወስድ ኣለናበታ ቀዳመይቲ ጥማር ምጅማር፡

ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጽግያት ታኣማንነቱ ብቅጽበት ክኸውን ፡፡

  • መዓልታዊ ምውሳድ ኣብ ፍሉይ ስዓት(ምውሳድ እንተተረስዔ ጸገም የለን ክስብ 12 ስዓት)
  • እቲ ጽግያት ክፈስስ ይጅምር እታ ጻዕዳ ከኒና ምውሳድ ምስ ጅመርና፡፡
  • ኣብ ዝበዝሕ ግዜ እቲ ጽግያት ውሑድን ዘየቀንዙን ይኸውን፡፡
  • ኣብ መጨረሽታ ታ ጥማር መሊስክን ካልእ ጥማር ውሰዳ፡ ብዘይ ዕረፍቲ ዋላ እቲ ጽግያት እንተዘይተወድኤ፡፡

እዚ ነገር ምስ ዘጋጥም

… ኣብቲ ከኒና ትወስዳሉ እዋን ምድማይ ክርኤ ይክእል እዩ፡ ምውሳድ ግን ኣይተቛርጽኦ፡፡
መዓልታዊ ምውሳድ ምቅጻል ሓደገኛ ኣይኮነን፡ ግን እንድሕር ምድማይ ቀጺሉ ክሳብቲ ዝስዕብ
ዑደት ምስ ሓኪምክን ተዛራረባ፡፡

…ተምላስ ወይ ውን ሓያል ውጽኣት ምስ ዝህሉ እቲ ትወስድኦ ከኒና ከምቲ ዝግባእ
ኣብ ኣካላት ስለ ዘይታሓዝ ኣጎልጉሎቱ ክውሕድ ይክእል እዩ፡ስለዚ ከኒና ምውሳድ ምቅጻል ብተወሳኪ
ኮንዶም ምጥቃም ን 7 መዓልቲ፡፡ እንተድኣ ኣምሊስክን ኣብ ውሽጢ 4 ስዓት ድሕሪ ምውሳድ ሓንቲ
ሕብራዊት ከኒና ግን መሊስክን ውሰዳ ሓንቲ ሕብራዊት ከኒና (ን ኣብነት ሓንቲ ካብታ ቅምጥቲ ጥማር)

…ምውሳድ ኣፋውስ ከምብዓል

ኣንቲባዮቲክ፡ ናይ ጸረ ምንቅጥቃጥ ፡ናይ መህድኢ፡ንሓኪምክን ክትሕብራ አለክን እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ አፋውስ እንተድኣ ትወስዳ አለክን፡ ምክንያቱ ገለገለኣፋውስ ነቲ ትወስድኦ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ከዳክሞዎ ይከእሉ ስለ ዝኮኑ፡፡ምውሳድ ከኒና ምቅጻል ብተወሳኪ ኮንዶም ምጥቃም፡፡

… ምቁራጽ ጾታዊ ርክብ

(ምቁራጽ ዝምድና ምስ መጻምድክን ፡ ምፍልላይ ንነዊሕ ግዜ ምስ ዝህሉ)
ቅድሚ ምቁራጽ ግን ምውዳእ እታ ጥማር ብድሕሪኡ ግን ኮንዶም ምሓዝ፡፡
ኩሉ ተማሊኡ ከሎ እንተድአ ድግያት ዘይመጸ፡አብቲ ግዜ ዕረፍቲ
– ምውሳድ ከኒና ዘየለ
- ተምላስ - ውጻኣት ዘየለ
– ኣፋውስ ምውሳድ ዘየል
መሊስክን ጀምራ ካብታ ሓዳሽ ጥማር እታ ናይ መጨረሽታ ጻዕዳ ከኒና ምስ ወሰደክን፡፡
ብድሕሪኡ ተራኣያ ኣብቲ ማእከል ውጥን ስድራ ቤት ወይ ድማ ብሓኪምክን፡፡

ምርሳዕ ከኒና

ምርሳዕ ዘምጾ ጸገም የለን እንተድኣ 12 ስዓት ዘይሐሊፉ፡
ካብቲ ግቡእ ትወስዳሉ ግዜ ልዕሊ 12 ስዓት እንተድኣ ሓሊፉ ግን ውሕስነት የብሉን፡፡

እንታይ ምግባር ?

  • ብዝተካእለ መጠን ምውሳድ እታ ዝተረሰዔት ከኒና፡ ዋላ 2 ከኒና ኣብ ሓደ መዓልትን ኣብ ሓደ እዋንን ምውሳድ እንተኣድለየ፡፡
  • እንተድኣ ጾታዊ ርክብ ዘይተካይደ ኣብታ ምውሳድ ከኒና ዝረሳዕናላ፡ ወይ ድማ ኣብተን ዝሓለፋ 7 መዓልቲ ፡ ምቅጻል እታ ጥማር

ብተወሳኪ ኮንዶም ምጥቃም ን 7 መዓልቲ፡፡ ከም ብሓድሽ ክንታኣማመን ድሕሪ ምርሳዕ ከኒና፡ ኣገዳሲ እዩ ካብተን
ሕብሪ ዘለወን ከኒና ክንወስድ ኣከታቲልና ን 7 መዓልቲ፡፡

እዚ ማለት ድማ ምርሳዕ እንተኣጋጢሙ፡ ኣብቲ መጨረሻ ናይታ ትወስድኣ ጥማር፡
እም ድማ 7 ከኒና ሕብሪ ዘለወን ምስ ዘይተርፈክን ዘይምውሳድ ካብተን ጻዕዳ
ከኒና ቀጽላ ብቀጥታ ብሓድሽ ጥማር፡፡

  • ኣብዘን ዝሓለፋ 7 መዓልታት ጾታዊ ርክብ መፊጽምክን እንተዂንክን፣ምስ ቤት ጽሕፈት ምኽሪ ጥዕና ጾታዊ ርክብን ውጥን ስድራቤትን ወይ ድማ ምስ ሓኻይምክን ተራኸባ። ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ከድልየክን ይኽእል እዩ። እዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ክግበር ኣለዎ– ከከም ሜላ ምክልኻል እንተደንጎየ ድሕሪ 72 ሰዓት ወይ ድማ 120 ሰዓት ድሕሪ እቲ ብቑዕ ምክልኻል ዘይተገብሮ ጾታዊ ርክብ( «ህጹጽ ምክልኻል ጥንሲ» ርኣያ)።
  • ንግዚኡ ምቅጻል እቲ ከኒና ንጾታዊ ርክብ ግን ኮንዶም ምጥቃም፡፡
  • ምርሳዕ ምውሳድ ጻዕዳ ከኒና ግን ጸገም አየምጽን፡፡

ክትፈለጥኦ ዘለክን

  • ምድማይ ካብ ምርሳዕ ምውሳድ ከኒና ክከውን ይክእል እዩ፡፡

ክፍለጥ ዘለዎ

  • እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ካብ ምልካፍ ኤች.ኣይ.ቪን ካልኦት ንብስጋዊ ርክባት ዝመሓላለፉ ሕማማትን፡ ሴፈር ሴክስ እዩ። እዚ ማለት፡
    1. ስጋዊ ርክባት ብብልዕቲ ወይ ብምትንኻፍ(መትሎ) ንመዓኮር ክግበር እንከሎ፡ ግድነት ኣቡሰላማ ናይ ወዲተባዕታይ ወይ ጛለንስተይቲ ምጥቃም)።
    2. ተወሳኺ፡ ንነፍሲ ወከፍ ንግሉ ዝሰማምዖ ኣብ Safer-Sex-Check ኣብ lovelife.ch ይርከብ።

2018, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

www.migesplus.ch
ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ንጥዕና ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ