ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ምክልኻል ጥንሲ ባህርያዊ ኣገባባት ወጢንካ ምውላድ

ባህርያዊ ኣገባባት ወጢንካ ምውላድ

እንታይ ማለት እዩ?

እዚ ባህርያዊ ኣገባብ መከላከሊ ጥንሲ አብ መጽናዕቲ ዝተሞርኮሰ ኮይኑ ደቀንስትዮ ሓበሬታታትን ምልክታትን

አፍረይቲ ዝኮናሉ ወይ ውን አፍረይቲ ዘኮናሉ እዋን፡ ዑደት ጽግያት ብምዕዛብ ዝጥቀማሉ ኣገባብ እዩ፡፡ ኣገዳሲ እዩ እቶም ተጻመድቲ ካብ ጾታዊ ርክብ ክቁጠቡ፡ ኣብቲ እታ ጓለንስተይቲ ጥንሲ ክትሕዘሉ ትክእለሉ እዋን፡ ወይ ድማ መከላከሊ ጥንሲ ምጥቃም (ኮንዶም ወይ ድያፍራግም) እንተ ደኣ ጽቡቅ ተፈሊጡ እቲ ናይ ፈረይቲ ምኳን እዋን፡ ንመጻኢ አብ ክንጠንሰሉ ንደልየሉ እዋን ክጠቅምና ይክእል እዩ፡፡

ዝተፈላለዩ ኣገባባት

  1. ኣገባብ ምልካዕ ሙቆት፡ ንጉሆ ንጉሆ ተሲእኻ ምልካዕ ሙቆት ሰብነት ማለት እዩ፡፡ እቲ ሙቀት ቁሩብ ልዕል ይብል ይጸንሕ ድማ፡ ጽፍዮ ምስ ሓለፈ ግን አፍረይቲ ናይ ዘይምኳን መድረክ ይጅመር፡፡
  2. ኣገባብ ምልካዕ ልፋጭ ክሳድ ማህጸን፡ እታ ጓለንስተይቲ ክትዕዘብ አለዋ እቲ ዓይነት ልፋጭ
    ክሳድ ማህጸን ካብ ርሕም ዝፈስስ እቲ ዝፈጥሮ ስምዒታት፡ እዚታት ብምዕዛብ ድማ ክግመት ይከኣል እቲ ግዜ ናይ ጽፍዮ፡፡
  3. ኣገባብ ምልካዕ ሙቆትን ካልእ ምልክታት ብምዕዛብ
  • ምልካዕ ሙቆት ሰብነት
  • ምፍላይ ልፋጭ
  • ምድህሳስ ክሳድ ማህጸን
  • ዝተፈላለዩ ምልክታት ውን አለዉ ኣብቲ ከባቢ እዋን ጽፍዩ ከም(ቅርጸት ከብዲ፡ ቃንዛ ጡብ ወዘተ)

ምትሕውዋስ ናይዚታት ከዕብዮ እክእልእዩ ነቲ መከላከሊ ጥንሲ

ክንፈልጦ ዘለና

…ጽቡቅ ውጽኢት ንምርካብ እቶም ተጻመድቲ ተገደስነት ክህልዎም፡ብጽቡቅ ኣገባብ ድማ ከካይድዎ ኣለዎም ፡፡
...አብ እዋን ግርዝውና ክግበር ከቢድ እዩ፡ ከምኡውን ብቀጥታ ድሕሪ ሕርሲ ፡አብ እዋን ቅድሚ ንጽፈ ጽግያት አብ ዘይ ስሩዕ ጽግያት፡ ከምኡውን አብ ምጥፋእ ጽግያት
…እዚ ኣገባብ ዚ ብዙሕን ደቂቅን መዓልታዊ፡ ዝተፈላለየ ምልክታት ምዕዛብን ምምዝጋብን ዘድልዮ በታ ጓለንስተይቲ፡፡

…ንምምላኩ ድማ ካብ 3 ክሳብ 6 ዑደታት(ወርሒ) የድሊ፡፡
ተመኩሮ ፍልጠት ዘለዎም ሰባት ክከታተልዎ ኣለዎም፡፡

እዚ ኣገባብ እዚ ብዙሕ ትዕዝብቲ መምርሒ የድልዮ፡ ካብ ጾታዊ ርክብ ምቁጣብ ወይ ድማ ተወሳኪ መከላኸሊ ጥንሲ ኮንዶም ምጥቃም አብቲ ጥንሲ ክታሓዘሉ ዝክእል እዋን፡፡

ክፍለጥ ዘለዎ

  • እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ካብ ምልካፍ ኤች.ኣይ.ቪን ካልኦት ንብስጋዊ ርክባት ዝመሓላለፉ ሕማማትን፡ ሴፈር ሴክስ እዩ። እዚ ማለት፡
    1. ስጋዊ ርክባት ብብልዕቲ ወይ ብምትንኻፍ(መትሎ) ንመዓኮር ክግበር እንከሎ፡ ግድነት ኣቡሰላማ ናይ ወዲተባዕታይ ወይ ጛለንስተይቲ ምጥቃም)።
    2. ተወሳኺ፡ ንነፍሲ ወከፍ ንግሉ ዝሰማምዖ ኣብ Safer-Sex-Check ኣብ lovelife.ch ይርከብ።

2018, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

www.migesplus.ch
ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ንጥዕና ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ