ምክልኻል ጥንሲ

17 Sans hormones

ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ብዘይ ሆርሞን

ካብ ጥንሲ ዝከላኸሉ ካብ ሆርሞን ነጻ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ሜላታት ኣለዉ። ግና ኩሎም ሜላታት ሓደ ዓይነት ውሕስነት የብሎምን። እዚ ሜላታት ኣብቲ ወርሓዊ ጽግያት ናይ ጛል ኣንስተይቲ ዘስዕቦ ነገር ከምዘይብሉ።

ተወሳኺ ሓበሬታ
5 Patch

አብ ቆርበት ዝጥቃዕ መከላከሊ

ኣብ ቆርበት ጓልኣንስተይቲ ዝለግብ፣ ባዕሉ ዝጣበቕ ፕላስተር እዩ። እዚ ፕላስተር መጠኑ ዉሑድ ዝኾነ፣ ናብ ውሽጢ ኣካል ጓልኣንስተይቲ ዝኣቱ ሆርሞን ዘለዎ ኾይኑ፣ ብርግጽ ካብ ጥንሲ ይከላኸል እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ
7 Diaphragme

ቆብዕ ማህጸን

ጾታዊ ርክብ ቅድሚ ምፍጻም ኣብ ዉሽጢ ብልዕቲ ብሰበይቲ ዝኣቱ፣ ካብ ላተክስ ወይ ድማ ሲሊኮን ዝተሰርሔ ረቂቕ ዝኾነ ሎቖታ እዩ፣ ነቲ ክሳድ ማሕጸን ድማ ይሽፍኖ። ብኸምኡ ኸኣ እቲ ዘርኢ ተባዕታይ ናብ ማሕጸን ክኣቱ ኣይክእልን እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ
12 Preues interne

ኮንዶም ጓለንስተይቲ

ካብ ጎማ ዝተሰርሔ ልስሉስ ለቖታ። ጾታዊ ርክብ ቅድሚ ምፍጻም ኣብ ዉሽጢ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ይኣቱ። ኮንዶም ደቀንስትዮ ብግቡእ ኣብ ጥቕሚ እንተዊዒሉ ካብ ጥንስን ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማታን ይከላኸል እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ
13 Preues externe

ኮንዶም ወዲ ተባዕታይ

ካብ ላተክስ ወይ ድማ ካልእ ንጥረነገራት ዝተሰርሔ ዝምጠጥ ሎቖታ ክኸውን ከሎ፣ ነቲ ዝተገተረ መትሎ ይሓቁፍ። ኮንዶም ብግቡእ ኣብ ጥቕሚ እንተዊዒሉ ካብ ጥንስን ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማታን ይከላኸል እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ
8 Spermicide

ቀመማት ጸረ ዘርኢ ተባዕታይ ብበንዛኣልኮንዮም

ንዘርኢ ተባዕታይ ንምቕታል ተባሂሉ ዝትግበር፤ ክሬማ፣ ዝኣቱ መኻኺ ወይ ድማ ንእሽቶ ስፑኞ እዩ። ተወሳኻይ መከላኸሊ ንምሳለ ኮንዶም እንተዘይተጠቀምክን፣ እዚ ኣጠቓቕማ ዘይተሓስበ ጥንሲ ካብ ምክልኻል ውሕስነት የብሉን።ig.

ተወሳኺ ሓበሬታ
14 IU non hormo

እቲ ሽፒራል

ስፒራል ኣብ ዉሽጢ ማሕጸን ዝኣቱ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። ዝተፈላለየ ዓይነት ስፒራል ኣሎ። ስፒራል ንዝተወሰነ ዓመታት ካብ ጥንሲ ንምክልኻል ይጠቅም እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ
10 Sous cutaneue

ኣብ ትሕቲ ቆርበት ዝኣቱ

ብ ቆርበት ምስ ኣተወ ንነዊሕ ግዜ ክጸንሕ ዝክእል ሆርሞናዊ ጸረ ጥንሲ እዩ፡ ንእሽቶይ ዘንጊ ፕላስቲክ ብጣዕሚ ረቂቅ ኮይኑ ሆርሞን ፕሮጀስታቲቭ ብውሑድ ዓቀን ይሰድድ፡፡

ተወሳኺ ሓበሬታ
11 Injection

ኣኣብ ሰለስተ ወርሒ ዝውጋእ መርፍእ

እታ ሰበይቲ ኣብ ቅልጽማ ኣብ ሰሰለስተ ኣዋርሕ ብመርፍእ ገስታገን ሆርሞን ትውጋእ። እዚ መርፍእ ሆርሞን እንቓቕሖ ንኸይፈሪ ብኸምኡ ከኣ ጥንሲ ንኸይትሕዝ ብርግጽ ይከላኸል እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ
18 Peu sueres

ትአማንነቱ ውሑድ ኣገባብ መከላኸሊ ጥንሲ

እዚኤን ዝተፈላለያ ሜላታትን ኣጠቓቕማን ካብ ዘይተደልየ ጥንሲ ንምክልኻል ብቑዕ ዝኾነ ውሕስነት የብለንን። ንምሳለ እቲ ጥንሲ ዝሕዘሉ ዕለታት ምቑጻር ወይ ድማ ነቲ ዘርኢ ተባዕታይ ንግዳም ምኽዓው።

ተወሳኺ ሓበሬታ
16 Naturelles 2

ባህርያዊ ኣገባባት ወጢንካ ምውላድ

ንሜላታት ምዕቃን ሙቐት፣ ምዕዛብ ፈሳሲ ዉሽጢ ሰበይቲ ወይ ድማ ሜላ ቢሊንግ ምክትታል ከምኡውን ነዘን ሜላታት ኩለን ዓኪንካ ዝግበር ኣጠቓቕማ፣ ካብ ጥንሲ ንምክልኻል ይኽእል እዩ፣ ብዙሕ ተሞክሮ፣ ምኽርን ዲሲፕሊንን ግን የድልዮ እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ
15 Steuerilisation

ነንስትን ሰብኡትን ምምካን

ስተራላይዘሽን ብመጥባሕቲ ኣብ ሰብኣይ ወይ ድማ ሰበይቲ ዝግበር፣ ክምለስ ዘይክእል ኣሰራርሓ ሕክምና እዩ። ነዚ መጥባሕቲ ዝገበረ ሰብ፣ ድሕሪ መጥባሕቲ ቆልዓ ክወልድ ኣይክእልን እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ
19 Masculine therm

ሜላታት ምክልኻል ጥንሲ ንሰብኡት

ሓደ ወዲ ተባዕታይ ምስ ጛለንስተይቲ ስጋዊ ርክብ ተገይሩ፡ እሞ ክወልድ እንተዘይደለየ መከላኸሊ ናይ ሰብኡት ክጥቀም ኣለዎ። ፍሉጥ ዝኾነ መከላኸሊ ኮንዶም ወይ ምምካን እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ
3 Minipilule

ከኒና ፕሮጀስታቲቭ

ድቂ ንኸይሕዝ ወይ ድማ እንቓቕሖ ንኸይፈሪ ብኸምኡ ከኣ ጥንሲ ንኸይትሕዝ ዚከላኸል፣ ናይ ሆርሞን ከኒና (ገስታገን) እዩ። እዚ ከኒና ዕለታዊን ከይተቛረጸ ቀጻሊን ይዉሰድ።

ተወሳኺ ሓበሬታ
1 21 comprimeues

ከኒና (ኦስትሮጌንን ገስትሮጌንን) ምስ ዕረፍቲ

ድቂ ንኸይሕዝ ወይ ድማ እንቓቕሖ ንኸይፈሪ ብኸምኡ ከኣ ጥንሲ ንኸይትሕዝ ዚከላኸል፣ ናይ ሆርሞን ከኒና (ኦስትሮገን፣ ገስታገን) እዩ። እዚ ከኒና 3 ሰሙናት መመዓልቲ ይዉሰድ፣ ድሕሪኡ ናይ ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ይቕጽል።

ተወሳኺ ሓበሬታ
6 Urgence

ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ

ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ብከምዚ ዝቕጽላ ዘለዋ ኩነታት ከጋጥም ካብ ዝኽእል ጥንሲ ክኸላኸል ይኽእል እዩ

ተወሳኺ ሓበሬታ
4 Anneau

ቀለቤት ርሕሚ

እቲ ብሰበይቲ ኣብ ውሽጢ ብልዕቲ ዝኣቱ፣ ካብ ጎማ ዝተሰርሔ ልስሉስ ቀለበት እዩ። እዚ ቀለበት መጠኑ ዉሑድ ዝኾነ፣ ናብ ውሽጢ ኣካል ጓልኣንስተይቲ ዝኣቱ ሆርሞን ዘለዎ ኾይኑ፣ ብርግጽ ካብ ጥንሲ ይከላኸል እዩ።t.

ተወሳኺ ሓበሬታ
2 Prise continue

ከኒና ኦስተሮፕርጅስታቲቭ ከይኣቋረጽካ ዝውሰድ እንታይ

ድቂ ንኸይሕዝ ወይ ድማ እንቓቕሖ ንኸይፈሪ ብኸምኡ ከኣ ጥንሲ ንኸይትሕዝ ዚከላኸል፣ ናይ ሆርሞን ከኒና (ኦስትሮገን፣ ገስታገን) እዩ። እዚ ከኒና ዕለታዊ ከይተቛረጸን ቀጻሊን ይዉሰድ።

ተወሳኺ ሓበሬታ

ካልእ ኣርእስታት

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ