ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ምክልኻል ጥንሲ ከኒና (ኦስትሮጌንን ገስትሮጌንን) ምስ ዕረፍቲ

ከኒና (ኦስትሮጌንን ገስትሮጌንን) ምስ ዕረፍቲ

እዚ ኸኒና ሲንቴቲክ ሆርሞን ዘለዎ እዩ (ኦስትሮጌንን ገስታጌንን)፣ ነቲ ደቀንስትዮ ኣብ ኣካለን ዘፍርዮኦ ዝመሳሰል እዩ። ኣብ ሓደ ሓደ ኩነታት እዘን ሆርሞናት ኣብ ልዕሊ ጥዕና ጽልዋ ክህልወን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ውልቃዊ ኩነታትክን ምስ ሓደ ናይ ሕክምና ሰብ ሙያ ተማየጣ።
እዘን ዝስዕባ ሓበሬታት ነተን ከኒናታት ጥራሕ ዝምልከት እዩ (ኦስትሮገንን ገስቶገንን) 21 ኣድማዕቲ ከኒናታት ዝሓዛ።

ኣተጋብራ

እዚ ከኒና...

  • ... ምፍራይ እንቋቕሖ ይኽልክል፣ እዚ ነቲ ማህደር እንቋቕሖ ናብ ናይ ድቃስ ሃለዋት ኣዩ ዘእትዎ።
  • …ነቲ ናይ ማሕጸን ድርዕቶ ይቕይሮ (ኤንዶሜትሪዩም) ስለዚ ምናልባሽ እንቋቕሖ ኣብኡ ክሕባእ ከምዘይክእል ይገብሮ።
  • …ነቲ ናይ ክሳድ ማሕጸን ፈሳሲ የሕፍሶ (ንፋጥ ክሳድ ማሕጸን) ብኸምኡ ከኣ ዘርኢ ተባዕታይ ንኸይኣቱ ይኽልክል።

እቲ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ሜላታት ብትኽክል ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ እንተኾይኑ በዚ መገዲ ጥንሲ ንኸይፍጠር ምክልኻል ይከኣል እዩ።

ኣጠቓቕማ

  • ከኒና ንመጀመርታ እዋን ትወስዳ እንተዂንክን፡ ነቲ ባኮ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ጻግነ ጀምራ (ኣዋን ጻግነ) = ሻዓ ንሻዓ ምክልኻል። ነቲ ሜላ ምጥቃም ጻግነ ምስ ጀመረ ድሕሪ 2 መዓልታት እንተኾይኑ፣ ኣብተን ዝስዕባ 7 መዓልታት ምጥቃም የድሊ።
  • ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ሓደ ተመሳሳላይ ሰዓት ሓንቲ ከኒና ውሰዳ። ብዘይ ሓደጋ ከኒና ምርሳዕ፡ እንተበዝሐ 12 ሰዓታት።
  • ኣብ መወዳእታ ናይ እታ 21 ከኒና ዝሓዘት ባኮ፣ ናይ 7 መዓልታት ዕረፍቲ ግበራ።
  • ነቲ ዝስዕብ ባኮ ልክዕ ከምቲ ናይ መጀመርታ ባኮ ዝጀመርክናሉ ናይ ሰሙን መዓልቲ ጀምራ፣ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ባኮ ዕረፍቲ ትገብራ፣ ወ.ዘ.ተ.።

ነዚ ሜላ ብትኽክል ኣብ ጥቕሚ እንተዊዒሉ፣ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ኣውን ምክልኻል ዝተረጋገጸ እዩ።

ናይ ጻግነ ደም ዝወጽእ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ክኸውን ከሎ መብዛሕትኡ ጊዜ ከኣ ዝወሓደ ከምኡ ድማ ዝቐለለ ቃንዛ ዘለዎን ኣዩ።

እስኽን ከምዚ እንተኾነ…

  • … ነቲ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ እንዳተጠቀምክን ከለኽን ኣብ ሞንጎ ደም እንተመጸክን፣ ዘሻቕልጉዳይ ኣይኮነን። ከኒና ምውሳድ ከም ልሙድ ቀጽላ። እስኽን ኣብ ዝስዕባ ኣዋርሕ ቀጻሊ ከምዚ ዓይነት ደም ዘለክን እንተኾይኑ፣ ምስ ሓደ ናይ ሕክምና ሰብ ሙያ ተማየጣ።
  • ... እንተ ኣምለሰክን ወይ ድማ ብርቱዕ ውጽኣት እንተሓዘክን፣ እቲ ከኒና ብዝበቅዕ ኣብ ነፍሲ ዘይተሓወሰ ክኸውን ይኽእል እዩ ብኸምኡ ከኣ ዝወሓደ ዓቕሚ ምክልኻል ክህልዎ ይኽእል። ከኒና ምውሳድ ቀጽላ ከምኡ ድማ ኣብተን ዝስዕባ 7 መዓልታት ብተወሳኺ ብኮንዶም ተኸላኸላ። ነቲ ከኒና ምስ ወሰድክን ኣብ ውሽጢ 3 ሰዓት እንተ ኣምለሰክን ወይ ድማ ካብ 24 ሰዓታት ንላዕሊ ብርቱዕ ውጽኣት እንተነበረክን፡ ከምብሓድሽ ሓደ ከኒና ውሰዳ (ንምሳለ ነታ ናይ መወዳእታ ከኒና ናይ ባኮ፣ ምኽንያቱ እተን ኣብ ባኮ ምልክት ተገቢርወን ዘለዋ ዕለታት ከይቅየራ)።
  • ኣፋውስ ትወስዳ እንተዂንክን፣ ምስ ሓደ ናይ ሕክምና ሰብ ሙያ ወይ ድማ ምስ ፋርማሲ ተማይጥክን፣ እቲ ምክልኻል ሕጂውን ኣብ ቦትኡ ዘሎ እንተኾነ ኣረጋግጻ። ብናይ ዮሃንስ ዕጺ ዝተመረታ፣ ሓደ ሓደ ኣንቲባዮቲክ፣ ሓደ ሓደ ፈውሲ ዘውድቕ ሕማም ከምኡ ከኣ ኣፋውስ መከላኸሊ ኤች.ኣይ.ቪ. ነቲ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ኣድማዕነት የትሕታ እየን። መከላኸሊ ትንሲ ምውሳድ ቀጽላ ከምኡ ድማ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ኮንዶም ተጠቀማ።
  • ነቲ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ሜላ ምጥቃም እንተኣቋረጽክን፣ እቲ ናይ ጥንሲ ምክልኻል ውጽኢት ሻዓ ንሻዓ የቋርጽ። ነቲ ናይ ከኒና ባኮ ክሳብ መወዳእታ ንኽትወስዳ ይመዓድ እዩ።
  • ኣብ እዋን ዕረፍቲ ደም ዘይብልክን እንተ ኾይኑ፣ ንሓደ ሓዲሽ ባኮ ኣብቲ መደብ ዝተገበሮ ዕለት ጀምራ ከምኡ ድማ ናብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንጾታዊ ርክብ ጥዕና ተወከሳ ወይ ድማ ናብ ሓደ ሕክምናዊ ሰብ ሙያ ተራኸባ።

ምርሳዕ ሓንቲ ከኒና ካብ 12 ሰዓታት ንታሕቲ

  • ነታ ዝተረስዔት ከኒና ብዝተኻኣለ መጠን ቀልቲፍክን ውሰድኣ።
  • ንከኒና ደንጒኻ ምውሳድ ክሳብ 12 ሰዓታት ኣብ ዘሎ እዋን (ክሳብ 36 ሰዓታት ድሕሪ ምውሳድ ነታ ናይ መወዳእታ ከኒና) ነቲ ናይ ጥንሲ ምክልኻል ኣድማዕነት ኣየጉድሎን እዩ።

ምርሳዕ ሓንቲ ከኒና ካብ 12 ሰዓታት ንላዕሊ

ምናልባሽ እቲ ምክልኻል ጥንሲ ዘየድምዕ ክኸውን ይኽእል ኣዩ። ነቲ ናይ ከኒና ባኮኽን ፈትሽኦ፣ ነየናይ ከኒና ኢኽን ከይወሰድክን ዝረሳዕክን።

1 ሰሙን ናይ እቲ ባኮ ከኒና (ከኒና ቁ. 1 – 7)
ኣብተን ዝሓለፋ 5 መዓልታት ጾታዊ ርክብ ዘይነበረ እንተኾነ፡

  • ነታ ዝተረስዔት ከኒና ብዝተኻኣለ መጠን ቀልቲፍክን ውሰድኣ፣ ወላኳ 2 ከኒናታት ኣብ ሓደ እዋን ክትወስዳ እንተሃለወክን እውን።
  • ነተን ዝስዕባ ከኒናታት ኣብቲ ዝተለመደ እዋን ምውሳድ ቀጽላ።
  • ኣብተን ዝስዕባ 7 መዓልታት ኮንዶም ተጠቀማ።

ኣብተን ዝሓለፋ 5 መዓልታት ጾታዊ ርክብ ምስ ዝህሉ፡

  • ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍክን ሓንቲ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ውሰዳ ከምኡ ድማ ነቲ ምዕዶ ሰብ ሙያ ተኸተላ።
  • እቲ ናይ ጥንሲ ምክልኻል እንደገና ኣድማዕነቲ ኣብ ዝነበሮ ክሳብ ዝምለስ፣ ኮንዶም ተጠቀማ። እዚ ዝውሰን በቲ ዝተወሰደ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ዓይነት እዩ።

2 ሰሙን ናይ እቲ ባኮ ከኒና (ከኒና ቁ. 8 – 14)
ምስ ወይ ብዘይ ጾታዊ ርክብ ከምኡ ድማ ኣብተን ዝሓለፋ 7 መዓልታት እተን ከኒናታት ብትኽክል ዝተወሰዳ ምስ ዝኮና።

  • ነታ ዝተረስዔት ከኒና ብዝተኻኣለ መጠን ቀልቲፍክን ውሰድኣ፣ ወላኳ 2 ከኒናታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ክትወስዳ እንተሃለወክን እውን።
  • ነቲ ቀጻሊ ምውሳድ ከኒና ቀጽላሉ።

3 ሰሙን ናይ እቲ ባኮ ከኒና (ከኒና ቁ. 15 – 21)
ምስ ወይ ብዘይ ጾታዊ ርክብ ከምኡ ድማ ኣብተን ዝሓለፋ 7 መዓልታት እተን ከኒናታት ብትኽክል ዝተወሰዳ ምስ ዝኮና።

  • ነታ ዝተረስዔት ከኒና ብዝተኻኣለ መጠን ቀልቲፍክን ውሰድኣ፣ ወላኳ 2 ከኒናታት ኣብ ሓደ እዋን ክትወስዳ እንተሃለወክን እውን።
  • ነቲ ቀጻሊ ምውሳድ ከኒና ክሳብ እታ ባኮ ትውዳእ ቀጽላሉ።
  • ብቐጥታ፣ ዕረፍቲ ከይገበርክን፣ ነቲ ሓዲሽ ባኮ ጀምራ።

ምርሳዕ 2 ከኒናታት (ወይ ዝበዝሐ) ወይ ድማ ልክዕ ዘይኮነ ምውሳድ ከኒና ኣብተን ናይ መወዳእታ 7 መዓልታት ቅድሚ ምርሳዕ ከኒና

ናይ እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ኣድማዕነት ዘይተረጋገጸ እዩ ከምኡ ድማ ጥንሲ ናይ ምትሓዝ ሓደጋ ኣሎ።

ምስ ሓደ ቤት ጽሕፈት ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ተራኸባ ወይ ድማ ምስ ሓደ ሕክምናዊ ሰብ ሙያ።

ምፍላጥ ጽቡቕ

  • ካብ ኤች.ኣይ.ቪ. ምትሕልላፍን ካብ ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል ዝበለጸ ውሕስነት ዘለዎ ጾታዊ ርክብ እዩ። እዚ ማለት፡
    1. ኣብ ርሕሚ ወይ ድማ ኣብ መዓኮር ንውሽጢ ዝኣቱ ጾታዊ ርክብ ምስ ዝግበር ኮንዶም ምጥቃም።
    2. ካልእ ኩሉ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ www.lovelife.ch.

2023, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

ብተጋባራውን ገንዘባውን ሓገዝ migesplus ዝተዳለወ
www.migesplus.ch – ንጥዕና ዝምልከት ሓበሬታ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ