ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ምክልኻል ጥንሲ ቆብዕ ማህጸን

ቆብዕ ማህጸን

እዚ ቆብዕ ማህጸን ናይ ጥንሲ መከላክሊ ቅርጹ ልክዕ ከም ቆቢዕ ኮይኑ ካብ ንሓስ ወይ ብጎማ ዝስራሕ አብ ልዕሊ ተንቃሳቃሳይ ቀሌቤት ዝቆመ እዩ፡፡

  • እዚ ቆብዕ ማህጸን ከም ሓጹር ኮይኑ ነቲ ክሳድ ማህጸን ሸፊኑ
    ነቲ ዘርኢ ወዲተባዕታይ ናብ ማህጸን ንከይአቱ ይክልክል፡፡
  • እዚቆቢዕ ማህጸን ምስ ቀመማት ጸረ ዘርኢ ኢና ናይ ግድን ክንጥቀመሉ ዘለና፡፡
  • ብምቅታል ነቶም ጸረ ዘርኢተባዕታይ እዩ ዝልዕል እቲ ታአማንነቱ፡፡

ትአማንነቱ ዝፍለጥ ካብቲ አገባብ አጠቃቅማና እዩ፡፡

አገባብ አጠቃቅምኡ

አጠቃቅምኡ ብዙሕ ልምምድ የድልዮ እዩ፡፡

  • እቲ ዓቀን ናይ ቆብዕ ማህጸን ዝሳማማዕ ንክከውን እቲ ሓኪም እዩ ዝውስኖ፡
  • ድሕሪ ቀመማት ጸረ ዘርኢ ምልካይ ነቲ ቆቢዕ ማህጸን እታ ጓለንስተይቲ ባዕላ አብ ርሕሚ ተእትዎ ቅድሚ እቲ ጾታዊ ርክብ፡፡
  • አብ ቦትኡ እንትድአ አልዩ ንምርግጋጽ ድማ ኢዳ አእትያ ነቲ ክሳድ ማህጸን ጽቡቅ ተሸፊኑ ምህላዉ ከተረጋግጽ ትክእል እያ፡፡
  • እቲ ቆቢዕ ማህጸን አብ ርሕሚ ብውሕድ ን8 ሰዓት ክጸንሕ አለዎ ፡ ድሕሪ እቲ ጾታዊ ርክብ፡፡ ግን ካብ 24 ስዓት ክሓልፍ የብሉን፡፡
  • ተዳጋጋሚ ጾታዊ ርክብ ምስ ዝህሉ፡ ምውሳክ ጸረ ዘርኢ የድሊ ከየውጻእካ እቲ ቆብዕ፡ ከምኡ ውን እንተድአ ቅድሚ 2 ስዓት አትዩ ጸኒሑ ቅድሚ እቲ ጾታዊ ርክብ፡፡
  • ድያፍራግም ንምውጻእ ሓንቲ አጻብዕቲ አብ አፍ ርሕሚ አእቲካ ትስሕቦ፡፡
  • ክልቅለቅ አለዎ ብልብጥ ዝበለ ማይ፡ ብድሕሪኡ አንቂጽካ አብ ቦትኡ አእቲካ ምቅማጥ፡፡
  • መጠንቀቅታ ! እቶም ቀመማት ጸረ ዘርኢ ብ ቤንዛልኮንዮም ዝተሰርሑ ሳምና እንተድአ
    ተጠቂምና ታአማንነቶም ይጠፍእ፡፡
    ጽሑፍ ምውካስ ብዛዕባ« ቀመማት ጸረ ዘርኢ ብቤንዛልኮንዮም»

ተወሳኪ ክትፈልጥኦ ዘለክን

  • ድሕሪ ሕርሲ ወይ ድማ ዓቢ ለውጢ ምስ ዝህሉ አብ ክብደት ሰብነትክን፡
    እቲ ዓቀን ናይ ቆብዕ ማህጸን ክስታካከል አለዎ፡፡
  • አብቲ ዓመታዊ ናይ ማህጸን መርመራክን ነቲ ቆቢዕ ማህጸን ንሓኪምክን አርእዮኦ፡፡
  • ካልእ ውን አሎ ካብስ ሰርቪካል ዝብሃል ዝናአሰ ካብቲ ቆቢዕ ማህጸን ኮይኑ፡ ነቲ ክሳድ
    ማህጸን ጥራሕ ክሽፍን ዝክእል፡ ናይ ክልቲኦም ስራሕ ግን ሓደ ዓይነት እዩ፡፡

ክፍለጥ ዘለዎ

  • እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ካብ ምልካፍ ኤች.ኣይ.ቪን ካልኦት ንብስጋዊ ርክባት ዝመሓላለፉ ሕማማትን፡ ሴፈር ሴክስ እዩ። እዚ ማለት፡
    1. ስጋዊ ርክባት ብብልዕቲ ወይ ብምትንኻፍ(መትሎ) ንመዓኮር ክግበር እንከሎ፡ ግድነት ኣቡሰላማ ናይ ወዲተባዕታይ ወይ ጛለንስተይቲ ምጥቃም)።
    2. ተወሳኺ፡ ንነፍሲ ወከፍ ንግሉ ዝሰማምዖ ኣብ Safer-Sex-Check ኣብ lovelife.ch ይርከብ።

2018, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

www.migesplus.ch
ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ንጥዕና ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ