ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ምክልኻል ጥንሲ እቲ ሽፒራል

እቲ ሽፒራል

ስፒራለ መከላኸሊ ጥንሲ ኮይኑ ብሓኪም ናብ ማህጸን ይትከል። ኣብ ማህጸን አገልግሎቱ ይህብ። ዝኾነት ሰበይቲ(ዝወለደት ወይ ዘይወለደትን) ዕድመኣ ብዘየገድስ ክትገብሮ ንመርጸላ። ስፒራለ ንዝተወሰነ ዓመታት ካብ ጥንሲ ክከላኸል ይኽእል።

ምእታውንምውጻእንሽፒራል

ናይ ማህጸን ሕክምና ኣብ ዝግበረሉ ግዜ፡ ድሕሪ ብልዕቲ ምጽራይ ኣብ ማህጸን ይትከል(ይኣቱ)። እቲ ስፒራለ ኣብ ዘየድልየሉ ወይ ምቕያር ምስ ዘድሊ፤ ቅልል ብዝበለ ነታ ናይሎን ፈትሊ ትሰሓብ። እዚኣ ካብ ዝወጻትሉ ግዜ እታ ሰበይቲ ክትጠንስ ትኽእል።

እታኩፈርሽፒራል( Intrauterinpessar IUP)

እታ ስፒራለ ብሓንቲ ንእሽተይ ክፋል ብፕላስቲክ ዝተሰርሐት ኮይና፡ ሓደ ክፋላ ብነሓስ ዝተኸበት እቲ ሓደ ክፋላ ድማ ብናይሎን እዩ። ካልእ ዓይነት ኣብ ውሽጢ ማህጸን እውን ዝጠብቕ ከምዘሎ።

  1. እታ ንእሽተይ ናይ ፕላስቲክ ስእሊ
  2. ቀጣን ነሓስ ፈትሊ
  3. ናይ ናይሎን ፈትሊ
  4. መተሓላለፊ እንቓቕሖ
  5. ማሕደረ እንቓቕሖ
  6. ማህጸን
  7. ብልዕቲ

ውጽኢቱ

  • እቲ ነሓስ ኣገልግለቱ፤ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከምዘየፍሪ ይገብሮ።
  • እቲ ስፒራል ነቲ ናይ ማሕጸን ፈሳሲ ይልውጦን ተወሳኺ ድቂ ከምዘይሕዝ ይገብሮ።
  • እቲ ነሓስ ንናይ ሰበይቲ ውሽጣዊ ነዝሒ(ሆርሞን) ጽልዋ ከምዘይብሉ።

ሓንሳብ ሓንሳብ እቲ ሽፒራል ሓያልን ቃንዛ ዘለዎ ናይ ምፍሳስ ደም(ጽግያት) ከስዕብ ይኽእል።

እቲውሽጣዊነዝሒ(ሆርሞን) ፒራል

እዚ ውሽጣዊ ነዝሒ(ሆርሞን) ሽፒራል ብሓደ ፎኪስ ፕላስቲክን ንእሽተይ መጉእን(ስሊንደር) ዝተሸፈነ እዩ። እዚ ውሽጣዊ ነዝሒ(ሆርሞን) ቐጻሊ ኣብ ማህጸን ይወሃብ።

  1. ስሊንደር፡ ጌስታገን ዝሕዝ
    (ናይ ጛለነስተይቲ ውሽጣዊ ነዝሒ(ሆርሞን)) 
  2. መተሓላልፎ እንቓንቑሖ 
  3. ምሕደረ እንቓንቑሖ 
  4. ማህጸን 
  5. ብልዕቲ

ውጽኢቱ

  • ኣብ ኣፍደገ ማህጸን ዘሎ ፈሳሲ ንኽሓፍስ ይገብሮ። ብኡ ኣቢሉ እቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብ ማህጸን ንኸይኣቱ ይኽልክሎ።
  • እቲ ንማህጸን ዝሸፍን ቆርበት ረቂቕ እዩ፡ ስለዚ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እንተሓለፈውን ጽቂ ክትሕዝ ኣይትኽእልን እያ።

እቲ ወርሓዊ ጽግያት ክዳኸም(ክውሕድ)፡ ቃንዛ ከጉድል፡ ዝመጻሉ ግዜ ክናዋሕን ይኽእል። ጠቕሊሉ እውን ጠጠው ክብል ይኽእልዩ።

ብዝቐልጠፈሕክምናዊሓገዝምርካብ

  • ዘይተፈልጠ(ዘይንጹር) ቓንዛ ኣብ ትሕቲ ሕምብርቲ።
  • ኣብቲ ናይ ነሓስ ሽፒራል፡ ወርሓዊ ጽግያት ጠጠው ምስ ዝብል።
  • ምልክት ናይ ምቕጻል፡ ሰሓ፡ ዘይግቡእ ወይ ዘይንቡር ጨና ዘለዎ ፈሳሲ ምስዝፈስስ።

ክፍለጥ ዘለዎ

  • እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ካብ ምልካፍ ኤች.ኣይ.ቪን ካልኦት ንብስጋዊ ርክባት ዝመሓላለፉ ሕማማትን፡ ሴፈር ሴክስ እዩ። እዚ ማለት፡
    1. ስጋዊ ርክባት ብብልዕቲ ወይ ብምትንኻፍ(መትሎ) ንመዓኮር ክግበር እንከሎ፡ ግድነት ኣቡሰላማ ናይ ወዲተባዕታይ ወይ ጛለንስተይቲ ምጥቃም)።
    2. ተወሳኺ፡ ንነፍሲ ወከፍ ንግሉ ዝሰማምዖ ኣብ Safer-Sex-Check ኣብ lovelife.ch ይርከብ።

2018, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

www.migesplus.ch
ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ንጥዕና ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ