ኣኣብ ሰለስተ ወርሒ ዝውጋእ መርፍእ
እንታይ ማለት እዩ?
እቲ ወሽጣዊ ነዝሒ(ሆርሞን) ጌስታገን፡ ብመውጋእቲ መርፍእ ይግበር። እዚ ማለት ጌስታገን ሓደ ካብቲ ውሽጣዊ ነዝሒ(ሆርሞን) ኣብቲ ማሕደር እንቓቕሖ ዝዳለዉ እዩ። እቲ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ መውጋእቲ ን12 ሰ#ሙናት ካብ ጥንሲ ይከላኸል።
ንምንታይ ይጠቅም ?
- ጽፍዮ ንከይህሉ ነተን እንቛቝሖ ን ነዊሕ ግዜ ከም ዘዕርፋ ይገብር
- ኣብቲ ቀጸላ ማህጸን ውን ዝኮነ ይኩን ናይ ድቂ ምድላዋት ንከይገብር ይከላኸል
- ንልፋጭ ክሳድ ማህጸን የሕፍሶ መታን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከይሓልፍ
ኣገባብ ኣጠቃቅማ
መርፍእ ምውጋእ፡
- ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መንጎ ተን 5 መዓልቲ ናይ ጽግያት፡ ወይ ድማ 10 መዓልቲ ድሕሪ ሕርሲ፡፡
- ብድሕሪኡ ግን አኣብ 12 ሰሙን ክትውግአ አለክን፡፡ ድሕሪ 10 ሰሙን ቆጸራ ምውሳድ ንሽዑ እንተዘይጠዓመ ድማ እተን ብድሪኤን ዘለዋ 15 መዓልቲ ኣለዋ ዝተርፋኽን ንክትውግአ!
- ውሕስነቱ ከም መከላኸሊ ጥንሲ ድሕሪ 10 መዓልቲ ድሕሪ ምውጋእ እታ ቀዳመይቲ መርፍእ ኮይኑ ን12 ሰሙናት ድማ ይጸንሕ፡፡
- እቲ መርፍእ ምውጋእ ኣብ እንዳ ሓኪም ወይ ድማ ኣብ ማእከል ውጥን ስድራ ቤት ይካየድ፡፡ ኣብ ፍሉይ ኩነታት እታ ሰበይቲ ተማሂራ ነቲ መርፍእ ባዕላ ክትውጋእ ከምትኽእል።
ክትፈልጥኦ ዘለክን
ድሕሪ ምውጋእ እታ ቀዳመይቲ መርፍእ ዘይስሩዕ ምድማይ ክመጽእ ይክእል፡ ቀስ እንዳበለ ድማ ይጎድል፡፡ ድሕሪ ምድግጋም መርፍእ አብ ዝበዝሕ ግዜ ፈጺሙ ጽግያት የቛርጽ፡፡ ንቡር እዩ ምሽቃል ኣየድልን፡፡
መርፍእ ምውጋእ ጠጠው ምስ ዝብል ምምላስ ጽግያት፡ ምውጻእ ብስልቲ እንቛቝሖ ቀልጢፉ ይምለስ፡ ግን አብ ግዜ ክፈላለ ይክእል እዩ፡ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ካልእ(ካብ 2ሰሙን ክሳብ 1 ዓመት) ድማ ይከውን፡፡
ክፍለጥ ዘለዎ
- እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ካብ ምልካፍ ኤች.ኣይ.ቪን ካልኦት ንብስጋዊ ርክባት ዝመሓላለፉ ሕማማትን፡ ሴፈር ሴክስ እዩ። እዚ ማለት፡
1. ስጋዊ ርክባት ብብልዕቲ ወይ ብምትንኻፍ(መትሎ) ንመዓኮር ክግበር እንከሎ፡ ግድነት ኣቡሰላማ ናይ ወዲተባዕታይ ወይ ጛለንስተይቲ ምጥቃም)።
2. ተወሳኺ፡ ንነፍሲ ወከፍ ንግሉ ዝሰማምዖ ኣብ Safer-Sex-Check ኣብ lovelife.ch ይርከብ።
2018, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung
www.migesplus.ch
ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ንጥዕና ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት
ብዛዕባ ትሕዝቶ ቀጻሊ ሓበሬታ
- ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ብዘይ ሆርሞን
- አብ ቆርበት ዝጥቃዕ መከላከሊ
- ቆብዕ ማህጸን
- ኮንዶም ጓለንስተይቲ
- ኮንዶም ወዲ ተባዕታይ
- ቀመማት ጸረ ዘርኢ ተባዕታይ ብበንዛኣልኮንዮም
- እቲ ሽፒራል
- ኣብ ትሕቲ ቆርበት ዝኣቱ
- ትአማንነቱ ውሑድ ኣገባብ መከላኸሊ ጥንሲ
- ባህርያዊ ኣገባባት ወጢንካ ምውላድ
- ነንስትን ሰብኡትን ምምካን
- ሜላታት ምክልኻል ጥንሲ ንሰብኡት
- ከኒና ፕሮጀስታቲቭ
- ከኒና (ኦስትሮጌንን ገስትሮጌንን) ምስ ዕረፍቲ
- ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ
- ቀለቤት ርሕሚ
- ከኒና ኦስተሮፕርጅስታቲቭ ከይኣቋረጽካ ዝውሰድ እንታይ