ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ምክልኻል ጥንሲ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ብዘይ ሆርሞን

ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ብዘይ ሆርሞን

ካብ ጥንሲ ዝከላኸሉ ካብ ሆርሞን ነጻ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ሜላታት ኣለዉ። ግና ኩሎም ሜላታት ሓደ ዓይነት ውሕስነት የብሎምን። እዚ ሜላታት ኣብቲ ወርሓዊ ጽግያት ናይ ጛል ኣንስተይቲ  ዘስዕቦ ነገር ከምዘይብሉ።

  1. ዓጋቲ ሜላታት
  2. ሜላታት ብደቀንስትዮ ክስትውዓል ዘለዎ ኣካላዊ ምልክት
  3. ሽፒራለ ጥላጋ

ምኽርን ሓበሬታን፡ ከም ኣገዳሲ ኣድራሻታትን ኣብ ቤት ምኽሪ ስጋዊ ርክባትን መደብ ውጥን ስድራ ቤት ይርከብ።

 

1) ዓጋቲሜላ

ኣቡሰላማንሰብኣይንሰበይትን።

ኣቡሰላም ንዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናብ ብልዕቲ ጛለንስተይቲ ንኸይኣትው ይከላኸል። ብተወሳኺ ካብ ኤች ኣይ ቪን ኤይድስን ብስጋዊ ርክባት ዝተሓላለፉ ሕማማት(ሕማም ደቀንስትዮ) ይከላኸል።

ኣቡሰላማ(መከላኸሊ) ናይ ሰብኣይ ቅድሚ ናብ ብልዕቲ ምእታዉ(ምትንኻፍ) ናብቲ ተሪሩ ዘሎ መትሎ ይሽፈን።

ዝርዝር ሓበሬታ

እቲ ኣቡሰላማ (ኮንዶም) ናይ ሰበይቲ ካብ ልስሉስ፣ ሲንተቲካዊ ኣቕሓ ዝተሰርሔ ለቖታ ክኸውን ከሎ፣ ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ዝኣቱ እዩ

ዝርዝር ሓበሬታ

ዲያፍራግማ

ዲያፍራግማ ካብ ሲሊኮን ዝተሰርሓ ተመጣጢ ናይ ቀለቤት ቅርጺ ኮይኑ፡ ንኣፍደገ ማህጸን ይሽፍን። በዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ናይ ወዲ ተባዕታይ ዘርኢ ንኸይኣቱ ይከላኸል። ብተወሳኺ ስፐርሚደ ቅብኣት ጌርካ ክትጥቀመሉ ኣሎካ።

ዝርዝር ሓበሬታ

 

2) ኣብ ጛለንተይቲ ንዝፍጠር ንናይ ነብሲ ለውጢ ምልክታት ንኽትዕዘብ ዘኽ እል ሜላ

እዚ ሜላ ኣብቲ ደቀንስትዮ ነቲ ናይ ኣካላተን ምልክታት ናይ ምፍራይን ፍረ ዘይሕዘሉን መዓልታት ዘስተውዕሎኦ ዝተሞርኮሰ እዩ። ሓበሬታን ኣስተምህሮን ብሰብ ሞያ ዝኾኑ ተኸታቲልካ ኣብ ኣካል ዝርአ ለውጥታት ምዕዛብ ኣገዳሲ እዩ።

ጛለንስተይቲ ምሉእ ለውጥታት ንምዕዛብ ክትመሃሮ ዘለዋ፤ ኣካላዊ ምቆት፤ ናይ ብልዕቲ ፈሳሲ(ዓልገት) ትሕዝቶ፤ ክሳድ ማህጸንን ክትጠንሰሉ ትኽእለሉ መዓልታት፡ ኣብቲ እንቓቕሖ ዝፈርየሉ(ዝዳለወሉ) ግዝያት ዝረአ ለውጥታት፤ እዚ ኩሉ ትዕዝብትታት ተኣማንነት የሕድር። ነዚ ምልክትታል ንምክትታል ዝረቐቐ ኣፕን ናይ ኢንተርኔት ገጻት፡ ንምዕዛብን ንምምዝጋብን ዘቃልሉ ኣለዉ።

ኣብቲ ትጠንሰሉ ግዝያት ኣቡሰላም ወይ ድያፍራግማ ክትጥቀም ኣለዋ።

እዚ ኣፍልጦዚ ክትጠንስ ኣብ ትደልየሉ ግዝያት ክትጥቀመሉ ከምትኽእል።

 

3) ሽፒራለ ጥላጋ(ኩፈር ሽፒራለ)

ሽፒራለ ጥላጋ ካብ ሓደ ንእሽተይ ክፋል ብፕላስቲክ ዝተሰርሔ እዩ፣ እዚ ድማ ብሓደ ናይ ጥላጋ ፈትሊ ዝተኸበበ ኮይኑ፡ ብሓደ/ንቲ ሓኪም ኣብ ውሽጢ ማሕጸን ይኣቱ።

ኩፈር ሽፒራል ካብ ጥንሲ ዝከላኸል ኮይኑ፤ ኣብ ፈሳሲ ናይ ጛል ወዲ ተባዕታይ ዘርእዮ ውጽኢት ይኸውን።

ዝርዝር ሓበሬታ

ንምፍላጡ ዘገድስ

  • ድሕሪ ሕርሲ ንዘሎ ግዜ ካብ ሆርሞን ነጻ ዝኾነ ዝተፈላለየ መከላኸሊ ሜላታት።
    ዝርዝራዊ ሓበሬታ
  • ውጽኢቱ ኣዕጋቢ ዘይኾነ ሜላታት ኣሎ፡ ነተን ዘፍርያ መዓልታት ምቑጻር፣ ምኹላፍ ስጋዊ ርክብ («ተጠንቀቕ»፣ «ዘርኢ ሰብኣይ ቅድሚ ምኽዓዉ(ምውድኡ) ንድሕሪት ምስሓብ»)፣ ምሕጻብ ርሕሚ፣ ስፕርሚዚድ፣ ክሬማ(ቅብኣት) ወ.ዘ.ተ.
     
  • እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ካብ ምልካፍ ኤች.ኣይ.ቪን ካልኦት ንብስጋዊ ርክባት ዝመሓላለፉ ሕማማትን፡ ሴፈር ሴክስ እዩ። እዚ ማለት፡
    1. ስጋዊ ርክባት ብብልዕቲ ወይ ብምትንኻፍ(መትሎ) ንመዓኮር ክግበር እንከሎ፡ ግድነት ኣቡሰላማ ናይ ወዲተባዕታይ ወይ ጛለንስተይቲ ምጥቃም)።
    2. ተወሳኺ፡ ንነፍሲ ወከፍ ንግሉ ዝሰማምዖ ኣብ Safer-Sex-Check ኣብ lovelife.ch ይርከብ።

2018, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

 

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ