ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ምክልኻል ጥንሲ ትአማንነቱ ውሑድ ኣገባብ መከላኸሊ ጥንሲ

ትአማንነቱ ውሑድ ኣገባብ መከላኸሊ ጥንሲ

እዚ ዝስዕብ ኣገባብ መከላኽሊ ጥንሲ ተጻመድቲ ፍጹም ክጥቀሙሉ የብሎምን፡ እንተድአ ክወልዱ ዘይደልዮ ኮይኖም፡፡

አገባብ ዛህዲ ወይ «ዑድት ብምምዝጋብ»

እዚ አገባብዚ ድማ ዑደት ጽግያት አብ ምምዝጋብ ዝተሞርኮሰ ኮይኑ ነቲ ፍረ ክትሕዛሉን ዘይትሕዛሉን መዓልቲ ብምቁጻር ይከውን፡፡
አብ ግምት ብምእታው ንውሓት ናይ ዝሓለፉ ካብ 6 ክሳብ 12 ዑደታት፡ ክንግምግም ንክእል ምቅራብ መዓልቲ ጽፍዩ ምናልባሽ ውን ድቂ ናይ ምሓዝ፡፡
አብ ዕዳጋ አለዋ ማሽን ክሕብራ ዝክእላ እቲ ግዜ ናይ ድቂ ንሕዘሉ ካብቲ ዝተመዝገበ ዑደት ጽግያት ብምምርኳስ፡፡
እዚ አገባብ ግን ዘታአማምን አይኮነን!
ሕማም፡ ስንባደ፡ ድካም፡ ሓሳብ …ንጽፍዮ ከቀልጥፍዎ ወይ ከድሕርዎ ይክእሉ እዮም፡፡

ቀመማት ጸረ ዘርኢ

ብዝተፈላለየ መልክዕ ተዳልዮም ድማ ንረክቦም: ኦቩል(ድርቅ ዝብለ ነገር ብርሕሚ ዝአቱ) ክሬም ጀል ዝዓፍር ወዘተ

አብ ርሕሚ ምስ እንእትዎም ነቲ ዘርኢ ወዲተባዕታይ ይቀትልዎ፡፡

እዞም ቀመማት ጸረ ዘርኢ ንበይኖም እንተ ተጠቂምናሎም ትአማንነቶም ውሑድ እዩ፡፡

ኩሉ ግዜ ምስ ካልኦት መከላከኸሊ ጥንሲ ሓዊስና ክንጥቀመሎም አለና(ከም ኮንዶም ዲያፍራግም) ብጀካ እቶም ብ በንዛልኮኒዮም ዝተሰርሑ
(ጽሑፍ ተወከሱ «ቀመማት ጸረ ዘርኢ ብበንዛልኮኒዮም»)

ከም ኩሎም መከላኸሊ ጥንሲ ኮንዶም ምጥቃም ንምክልካል ካብቶም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብፍላይ ድማ ንኤች.ኣይ.ቪ./አይድስ ዝሕበር እዩ፡፡

አብ ምኹላፍ ወይ «ምውጻእ» «ምጥንቃቅ»

እቲ ወዲ ተባዕታይ ቅድሚ ምፍሳሱ ነቲ መትሎ ካብ ርሕሚ ከውጽኦ አለዎ፡፡

ከምጽኦ ዝክእል ሳዕቤናት!

  • እቲ ወዲ ተባዕታይ ንገለ ሰከንድ ከይውጽኦ ክድንጉይ ስለ ዝክእል
  • አብ ጫፍ እቲ መትሎ ዝፈስስ ቅሩብ ፈሳሲ ዘርኢ ወድተባዕታይ ስለ ዘሎ እንተድአ ንውሽጢ አትዩ ድቂ ክፍጠር ይክእል

ምሕጻብ ርሕሚ

  • ድሕሪ ምፍሳስ ናይ መትሎ ሽዑ ንሽዑ ብማይ ንርሕሚ ምሕጻብ(ጸረ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብምዉሳኽ ወይ ውን ብዘይ ምውሳኽ) ንምክልካሎም ነቶም ዘርኢ ወዲተባዕታይ ናብ ማህጸን ንክይአትው
  • እታ ጓለንስተይቲ ግን ክትቅድሞም አይትከልን እያ፡ አብ ገለ ስከንድ እዮም አብ ማህጸን ክአትው ዝክእሉ እዚ አገባብዚ ፍጹም ትአማንነት የብሉን፡፡

ክፍለጥ ዘለዎ

  • እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ካብ ምልካፍ ኤች.ኣይ.ቪን ካልኦት ንብስጋዊ ርክባት ዝመሓላለፉ ሕማማትን፡ ሴፈር ሴክስ እዩ። እዚ ማለት፡
    1. ስጋዊ ርክባት ብብልዕቲ ወይ ብምትንኻፍ(መትሎ) ንመዓኮር ክግበር እንከሎ፡ ግድነት ኣቡሰላማ ናይ ወዲተባዕታይ ወይ ጛለንስተይቲ ምጥቃም)።
    2. ተወሳኺ፡ ንነፍሲ ወከፍ ንግሉ ዝሰማምዖ ኣብ Safer-Sex-Check ኣብ lovelife.ch ይርከብ።

2018, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

www.migesplus.ch
ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ንጥዕና ዝምልከት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ