ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና ኣካላት መፍረ

ኣካላት መፍረ

እዞም ስእልታት እዚኣቶም ነት ፍልልያት ናይ ኣካላት-መፍረ ዘየንጸባርቑ ተምሳላቶም ዘርእዩ ውክልናታት እዮም። እቲ መልክዕ ኣካላት-መፍረ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ።

ብልዕቲ

ኣብ ግዳም ኣካላት መፍረ፣ ብልዕቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፍሊ-ኣካል፣ ብውሽጣዊን ግዳማዊ ከናፍርን፣ ኣፍ-ርሕሚን፣ እቲ ዝርአ ክፋል ናይ ጉድበን ዝሓቖፈ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ኣካላት መፍረ፣ ዝርከቡ ክፍሊ ኣካላት መፍረ፣ ማህጸን፣ ማህደረ-እንቋቑሖ፣ ሻምብቆ ማህጸን፣ ርሕሚ ከምኡውን ገለገለ ጽቅታት ይርከብዎም ።

ኩሉ ብልዕትታት ካብ ሓደ ሰብ ናይ ካልእ ዝተፈላለያ እየን። ብልዕቲ እዘን ዝስዕባ ክፍልታት ኣለዋ፣

ግዳማውን ውሽጣውን ከናፍር

ኩሉ ከናፍር መልክዕን ሕብርን ዓቐንን ኣለዎ፣ እዚ ድማ ክከም እቲ ሰብ፣ እቲ ህሞት (ንኣብነት ኣብ ግዜ ጾታዊ ድሌት) ፣ ከምኡውን ምስ ንውሒ ዓመታት ይፋላለ እዩ። እተን ክልተ ውሽጣዊ ከናፍር ኣብ መንጎ ኣፍ-ርሕምን ኣብ መንጎ መሻይኖ ዝፈሊ ኽፋል ብልዕቲ እዩ። ውሽጣዊ ከናፍር፣ ካብቲ ግዳማዊ ከናፍር ክሓጽራ ወይ ክነውሓ ይኽእላ፣ ኣብ ሓድሕደን ማዕርነት ዘይብለን እውን ክኾና ይኽእላ እየን።

ጉድበ

እቲ ጉድበ (ከም መትሎ) ብዝተፈላለዩ ናይ ጾታዊ ድሌት ምልዕዓል ተኽእሎ ዘለዎም ኣካሊት ወይ ቲሹታት (ኮርፐስ ካቨርኖምን ስፖንጅዮሰምን) ዝቖመ እዩ። ብደገ ንእሽቶ ክፋል ናይ ክሊቶሪስ ጥራይ እዩ ዝረአ ንሱ ድማ ፣ ርእሲ ጉድበን መሸፈኒኡን (ቆርበት ርእሲ) እዩ ። እቶም ቡልብ (ኣስታት 4 ሴንቲ ሜተር)ን እቶም ዓንዲ-ጉድበ/ ፒልየ (ኣስታት 4 ሴንቲ-ሜተር) ኣብ ውሽጢ እቲ ኣካላት እዮም ዝርከቡ። ጠቕላላ ንውሓት ጉድበ ካብ 8 ክሳብ 12 ሴንቲ-ሜተር እዩ ዝበጽሕ። ኣብ እዋን ምልዕዓል ጾታዊ ድሌት፣ እቶም ኣካሊት ወይ ቲሹታት ብደም ይመልኡ፣ እቲ ርእሲ ናይ ጉድበ/ግላንስ ደ ክሊቶሪስን እቶም ዓንዲ-ጉድበ ፒልየ ዝበሃሉን ዓቐን ይውስኹን ቁሩብ ይተርሩን (ምቕናዕ)። ክሳብ ሕጂ ዝፍለጥ ስራሕ ናይ ጉድበ ጾታዊ ባህታ ጥራይ እዩ።

ኣፍደገ መሻይኖ

እቲ ናይ መሻይኖ ኣፍደገ ናይቲ ጸቢብ ቱቦ ካብ ፍሒኛ ተበጊሱ ዋሕዚ ሽንቲ ዘኽእልን ጸቢብ መስመር ሻምብቆ-ሽንቲ (urètre) መወዳእታ ወይ ጫፍ እዩ።

ማህጸን

ማህጸን ቅርጽን ዓቐኑን ከም ተገልቢጡ ዝርአ ፔረ ፍሩታ እዩ። ካብ ጭዋዳታት ዝተሰርሐ ኮይኑ፣ ናይቲ ውሽጣዊ መናድቕ ድማ ኢንዶሜትሪየም ዝበሃል ሽፋን ልፋጫዊ ሽፋን እዩ። ማህጸን እቲ ድቂ ኣብ እዋን ጥንሲ ዝምዕብለሉን ወርሓዊ ጽግያት ዝፈሰሉን ክፍሊ-ኣካላት እዩ። እቲ ምስ ርሕሚ ዝጽንበር ክፋል ናይ ማህጸን ክሳድ-ማህጸን ይበሃል።

ማህደረ-እንቋቑሖ

እቶም ክልተ ማህደረ-እንቛቑሖ፣ ቅርጺ እንቋቕሖ/ኦቫል ዘለዎም ኮይኖም ክንዲ ፍረ ኣልሞንድ ዝበጽሕ ግዝፊ ዘለዎም ክፍሊ ኣካላት እዮም። እዚኦም እቶም እንቋቑሖ ዘፍርዩ ጽቅታት እዮም። ኢስትሮጅንን ፕሮጀስትሮንን (ናይ ጾታዊ ሆርሞናት) እውን ኣብ ማህደረ-እንቛቕሖ እዮም ዝፍጠሩ።

ሻምብቆታት ማህጸን

ሻምብቆታት ማህጸን ክልተ ተንቀሳቐስቲ፣ ቅርጺ መንቆርቆር ዘለዎም ሻምብቆታት እዮም፣ በዚ መንገዲ እዮም ድማ እቶም እንቋቑሖታት ካብ ማህደረ-እንቛቕሖ ናብ ማህጸን ዝመሓላለፉ ።

ርሕሚ

ርሕሚ ኣብ መንጎ ብልዕትን ማህጸንን ዝርከብ ልስሉስን ዝተዘርግሐን ቱቦ እዩ። መንደቑ ብጭዋዳታትን ሽፋን ልፋጭን ዝተሰርሐ እዩ። እቲ ርሕሚ ኣብቲ ክሳድ-ማህጸን (ኣብ መንጎ ርሕሚን ማህጸንን ዘሎ ጸቢብ መተሓላለፊ) ዘሎ ቦታ እዩ ዝውዳእ።

ግርዲ

ግርዲ ረቂቕን ክፉትን ረቂቕ ቆርበት/መምብሬን ኮይኑ፣ ቦታኡ ድማ ኣብ ከባቢ ኣፍ-ርሕሚ ዝርከብ እዩ። ናይ ግርዲ ኣከፋፍትኡን ቅርጹን ተመጣጥነቱን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። እቲ ግርዲ ዝምጠጥ ክፍሊ-ኣካል ኮይኑ ምሉእ ብምሉእ ውን ክጠፍእ ይኽእል እዩ። ኣብ ገለ ደቀ-ኣንስትዮ፡ ኣብ እዋን መጀመርያ ጾታዊ ርክብ፣ ኣብ ግርዲ ብዘጋጥም ንእሽቶ ምቕዳድ ምፍሳስ ደም ከስዕብ ይኽእል፣ እዚ ግን ኩሉ ግዜ ምድማይ ኣሎ ማለት ኣይኮነን። ምፍሳስ ደም ምህላዉን ወይ ዘይምህላዉን፣ ከምኡ’ውን እቲ ናይ ግርዲ ዝምልከትን፣ እታ ጓል-ኣንስተይቲ፣ ጾታዊ ርክብ ብፐነትሬሽን/ብምእታው መትሎ ድያ ፈጺማ ወይስ ብዘይምእታው ዝሕብር ኣይኮነን።

መተሓሳሰቢ፣ ኣብ ኣዝዩ ሳሕቲ ዝኾነ ኣጋጣሚታት፡ እታ ጓል ክትውለድ ከላ፣ ኣቲ ግርዲ ምሉእ ብምሉእ ዕጹው ክኸውን ይኽእል፣ ስለዚ መጥባሕቲ ብምክያድ ምኽፋት የድሊ።

ዓበይቲ ጽቅታት ቬስቲቡላር (ባርቶሊን) 

እዚኦም ክልተ ናይ ባርቶሊን ጽቅታት፣ ከክንዲ ዓይኒ-ዓተር ዝዓቐኖም ኮይኖም ኣብ ጎኒታት መእተዊ ርሕሚ ይርከቡ። እዞም ጽቅታት እዚኦም ነቲ ርሕሚ ንምጥላልን ምትርካስን ዘገልግል ፈሳሲ የመንጭዉ።

ጽቅታት ፓራዩሬትራል (ስከን)

ጽቅታት ፓራዩሬትራል (ስከን) ከም ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ጽኪ-ፕሮስቴት ማዕረ ዝቑጸሩ ኮይኖም፣ እቲ ካብ እቲ ጽቅታት ዝፍኖ ፈሳሲ ኣብቲ ናይ መሻይኖ ክፍተትን፣ ብኽልተ ንኣሽቱ ቱቦታት ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ናይ ኣፍደገ ሽንቲ ይፈስስ።

ጂ ስፖት “G-spot”

ዝብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጥቓ መእተዊ ርሕሚ ዝርከብ ከባቢ መንደቕ ርሕሚ ምስ ውሽጣዊ ኣቃውማ ጉድበ ዝራኸብ ዞና ንምግላጽ ንጥቀመሉ ቃል እዩ። ዝርጋሔ ዘለዎ ቦታ እምበር ንጹር ቦታ ኣይኮነን፣ ብፍላይ ድማ ስምዒት ዘለዓዕል ክፍሊ ኣካል ምዃኑ ይፍለጥ። ነዚ ዞና እዚ ምልዕዓል ባህ ዘብል ክኸውን ይኽእል፣ ናብ ጾታዊ ምልዕዓል ውን ከበግስ ፣ ጥርዝውና፣ ዋላ እውን ናይ ፈሳሲ ምፍሳስ (“ስኲርቲንግ”) ከስዕብ ይኽእል።

መሃንቱስ

መሃንቱስ ማለት እቲ መዓንጣ ምስ ግዳም ናይ ኣካላት ዘራኽብ ኣፍደገ እዩ። መሃንቱስ ወይ መቐመጫ እውን ናይ ጾታዊ ድሌት ምልዕዓል ክህልዎ ዝኽእል ስምዒት ዘለዓዕል ዞና እዩ።

መትሎ

ኣብ ግዳም ኣካላት መፍረ፣ እቶም ኣካላት-መፍረ መትሎ፣ ከምኡውን ክልተ ኩዓሳሱ ፍረ-ነብሲ፣ ናይ ፍረ-ነብሲ ለቖታን (መሸፈን ፍረ-ነብሲ) ዝሓቖፈ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ኣካላት መፍረ፣ ቫስ ዲፈረንስ፣ ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ክፍሊ ኣካላት መፍረ፣ ቫስ ዲፈረንስ፡ ጽኪ-ፕሮስቴት ሴሚናል ቬሲኩላትን ይርከብዎም ።

እቲ መትሎ (ከም ጉድበ) ብዝተፈላለዩ ኣብ እዋን ምልዕዓል ጾታዊ ድሌት ኣካሊት ወይ ቲሹታት (ኮርፕስ ካቨርኖን ኮርፐስ ስፖንጅዮን) ዝቖመ ኮይኑ፣ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ብደም ይመልእ እሞ ንመትሎ ንክቐንዕ (ኢረክሽን) የኽእሎ። ኣብ እዋን ምፍሳስ ፈሳሲ ፣ ኣብ ከባቢ ብልዕቲ ዝርከቡ ጭዋዳታት ይጭበጡ እሞ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ካብ መትሎ ይፈስስ። መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ካብ ሰብ ናብ ሰብን በብህሞትን ይፈላለ እዩ። እቲ ምፍሳስ ዘርኢ መብዛሕትኡ ግዜ ጾታዊ ባህታ ወይ ጥርዝውና (ኦርጋዝም) የምጽእ፣ እንተኾነግን ኩሉግዜ ጥርዝውና ወይ ኦርጋዝም የጋጥም ማለት ኣይኮነን።

ጫፍ መትሎ/ 

ግላንስ ዱ ፐኒስ ኣብ ጫፍ መትሎ ዝርከብኮይኑ፡ ምስ ዝትንከፍ ኣዝዩ ስምዒት ዘለዓዕል እዩ።

ዕልቦ 

ዕልቦ ንእሽቶን ኣዝዩ ስምዒት ዘለዓዕል ቆርበት ኮይኑ ንጫፍ መትሎ ብልዕቲ ዝሽፍንን ዝከላኸልን እዩ። እቲ ቆርበት ዕልቦ ኣብ ክልቲኡ ኩነት እቲ መትሎ ቀኒዑ/ ተሪርን ወይ ከይቀንዐ/ልምሉም ብቐሊሉ ክምለስ ክኽእል ኣለዎ።

ይቶ፣ 

ግዝረት ማለት ምእላይ ዕልቦ ቆርበት እዩ። ብሃይማኖታዊ ወይ ማሕበረ-ባህላዊ ምኽንያት ክፍጸም ይኽእል። ሓደ ሓደ ግዜ ብሕክምናዊ ምኽንያት እውን ክፍጸም ይኽእል እዩ። ከምቲ ኣብ ዝኾነ ካልእ ንኣካል ዝምልከት ዝግበር ኣገባብ፣ ኩሉ ሰብ ናቱ ምርጫ ናይ ምውሳን መሰል ኣለዎ።

እቲ ዕልቦ ኣዝዩ ጸቢብ ምስ ዝኸውን ወይውን ንድሕሪት ክምለስ እንተዘይክኢሉ ማለት ነቲ ጫፍ መትሎ/ ግላንስ ክርአ እንተዘይክኢሉ፣ እዚ ጸገም ፊሞሲስ ይበሃል። እዚ እንተኣጋጢሙ ንሓኪም-ህጻናት ወይ ሓኪም ስድራቤት ምውካስ ይምከር።

ኣፍደገ ሽንቲ 

ክፍተት መሻይኖ ጫፍ ናይቲ ኣብ ውሽጢ መትሎ ዝርከብ ጸቢብ ሻምብቆ ሽንቲ (ዩረትራ) ካብ ፍሒኛ ዝብገስ ኮይኑ ሽንቲ ንደገ ክውሕዝ ዘኽእልን እዩ። እቲ ቅድሚ ምፍሳስ ዝመጽእ ፈሳሲ ማለት ጸረርታን እቲ ናይ ስፐርም ምፍሳስን ብመገዲ እዚ ሻምብቆ ይውሕዝ። እቲ ሽንቲን እቲ ዘርእን ብሓንሳብ ክውሕዙ ኣይክእሉን እዮም።

ፍረ-ነብሲ

ፍረ-ነብሲ ዝበሃሉ ክፍሊ-ኣካላት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ የፍርዩ (ኣብ ካልኢት ኣስታት 2500 ዘርኢ) ከምኡ እውን ቴስቶስትሮን (ጾታዊ ሆርሞን) የፍሪ። ዓቐን ፍረነብሲ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። እተን ክልተ ፍረ-ነብሲ ኣብ ንሓድሕደን (ብዓቐን፣ ብርጒዲ፣ ብቁመት) ቅሩብ ዝተፈላለያ ክኾና ንቡር እዩ።

ኢፒዲዲም 

ኤፒዲዳይሚስ ዝበሃሉ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዝዕቅቡ እኩብ ቱቦታት እዮም።

መሸፈን ፍረ-ነብሲ

መሸፈን ፍረ-ነብሲ፣ ንፍረ-ነብስን ንኤፒዲዳይሚስን ዝሽፍን ናይ ቆርበት ለቖታ እዩ።

ጽቅታት ቡልቦኡረትራል (ካውፐር)

እዞም ጽቅታት ቡልቦኡረትራል እዚኦም ክልተ ከክንዲ ዓይኒ-ዓተር ዝዓቐኖም ጽቅታት እዮም ። ኣብ ግዜ ምልዕዓል ጾታዊ ድሌት፣ ውሑድ ዝዓቐኑ ማይ ዝመስልን ሕፍስ ዝበለ ውሑድ ፈሳሲ ወይ ጸረርታ ናብ ሻምብቆ-ሽንቲ/ ዩረትራ ይፍንዉ። እዚ ጸረርታ፣ ቅድሚ ምፍሳስ-ዘርኢ ወይ ኢጃኩሌሽን ነቲ ዩረትራ ዝበሃል ሻምብቆ ንምጽራይን ንምትርካስን እዩ ዘገልግል። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ጫፍ መትሎ ከም ማይ ዝመስል ሓንቲ ነጥቢ ክርአ ይኽእል (ቅድመ ምፍሳስ ዘርኢ ወይ "ጸረርታ" ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ) ። እዚ ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዝሓዘ እዩ።

ጽኪ-ፕሮስቴት

ንዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ካብ ባክተርያ ዝከላኸልን ድሕሪ ምፍሳስ-ዘርኢ ነቲ ዘርኢ ንኽንቀሳቐስን ዘኽእሎ ፈሳሲ ይፍንው። እዚ ጽቂ ኣንተደኣ ተለዓዒሉ ጾታዊ ባህታ ከበግስ ዝኽእል ጽቂ እዩ።

ሰሚናል ቨሲክልስ

ሰሚናል ቨሲክል ዝበሃሉ ጽቅታት ናይ ብልዕቲ ወይ ወይ ስርዓተ ምፍራይ ኣካላት መፍረ ጽቅታት እዮም። እቲ ሊኩድ ሰሚናል ዝበሃል ፈሳሲ የውሕዙ፣ እዚ ድማ እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ምፍሳስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ስፐርም ኣካል እዩ።

ቫስ ዲፈረንስ

እተን ክልተ ቫስ ዲፈረንስ ንኤፒዲዳይሚስ ምስ ዩረትራ ዝበሃል ሻምብቆ የራኽባ። በዞም ቱቦታት እዚኦም እዩ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ/ ስፐርማቶዞይድ ናብ ዩረትራ ይፈስስ። እቲ ፈሳሲ/ ሊኲድ ሰሚናል በዞም ሰሚናል ቨሲኩልስ ዝበሃሉ ሻምቆታት እዩ ናብ ዩረትራ ይለቐቕ፣ ድሕሪኡ ብጽቂ-ፕሮስቴት ይሓልፍ። እቲ ናይ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ፣ ፈሳሲ/ ሊኲድ ሰሚናል በዞም ሰሚናል ቨሲክልስዝፍኖን ብጽቂ-ፕሮስቴትን ተሓዋዊሱ ምስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዝወጽእ ፈሳሲ ይፈጥር።

መሃንቱስ

መሃንቱስ ማለት እቲ መዓንጣ ምስ ግዳም ኣካላት ዘራኽብ ክፍተት እዩ። መቐመጫ እውን ናይ ጾታዊ ድሌት ምልዕዓል ክህልዎ ዝኽእል ተሃዋሲ ዞና እዩ።

ኣካላትካ ብነጻነት ናይ ምውናን መሰል

ዝኾነ ዝኹን ሰብ ኣካላቱ ብነጻነት ናይ ምውናን መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። እቲ ሰብ ናይ ምምማይ ክእለት ምስ ዝህልዎ እሞ ምስ ዝቃወም፣ እቶም ኣድለይቲ ዘይኮኑ ኣብ ልዕሊ ኣካላት መፍረ ዝካየዱ ናይ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ክልኩላት እዮም። ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ማለት ሕክምናዊ ብዘይኮነ ምኽንያት ናይ ግዳማዊ ክፍሊ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ምእላይ ወይ ምቑራጽ እዩ። እቲ ምክያድ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለየ ዓይነት መልክዓትን ኣገባብን፣ ዕድመ ኣዋልድ ኣብ እዋን ምኽንሻብን ኣዝዩ ይፈላለ እዩ። ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስዊዘርላንድ ከምኡውን ኣብ መብዛሕትአን ካልኦት ሃገራት ዝግበር ዘይሕጋዊ ልምዲ እዩ።

ሕቶታት ዶ ኣለኩም ወይ ደገፍ ዶ የድልየኩም እዩ ፧ https://www.excision.ch/

ሓበሬታታት

ሕትመት: 2025፣ ሳንተ ሰክሽዋል ስዊስ፣ ስዊስ ፋውንዴሽን ንጾታዊን ስርዓተ ምፍራይን ጥዕና፤ ALECSS፣ ናይ ስዊስ ላቲን ማሕበር ክኢላታት ጾታዊ ጥዕና፣ ትምህርቲስልጠናምኽሪ

ሕክምናዊ ጽሑፍ ብመቦቀል ቃንቃ ኣተጻሕፈ ቅኑዕን ንጹርን ምኻኑ ምርግጋጽ (ፍሬንች): ዶክተር ሳራ ኣርሰቨር (ዩኒቨርሲቲ ጀነቫ፡ HUG), ዶክተር ሴሊን ብሮክማንን ማኤቫ ባድረን (ባዮስኮፕ፡ ጀነቫ ዩኒቨርሲቲ)

ብቁጠባዊ ደገፍ ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ጥዕና ፌደራል OFSP ዝተዳለወ ትሕዝቶ

ብዛዕባ ትሕዝቶ ቀጻሊ ሓበሬታ

ኣርጊፍኩም ጽዓኑ

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ