ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና መፍረዪ ኣካል አካላት መፍረ ጓል ኣንስተይቲ

አካላት መፍረ ጓል ኣንስተይቲ

Information: Diese Seite wird in Kürze überarbeitet.

Information: This page will be revised shortly

ብግዳም ዝርከብ አካል ብልዕቲ ይብሃል፡ ብክልተ ዓበይቲ ከናፍር ብደገ፡ ብክልተ ንአሽቱ ከናፍር ብውሽጢዝቆመ ክይኑ ድማ ኣብ መንጎ ርሕሚን መሸንቶ ዘሎ ደረት ይውስን፡መሸንቶ ረቂቅ መትረብ ኮይኑ ሽንቲ ከውጽእ ይክእል፡ ልዕሊ መሸንቶ ድማ ጎደብ ይርከብ፡ አብ ግዜ ጾታዊ ርክብ ድማ አብ ዕግበት ጓለንስትይቲዓቢ ተራ አለዎ፡፡

ሓንቲ ሰበይቲ ወይ ጛል ተኸንሽባ  እንተ ኾይና(ሓደ ኣካል ብልዕታ ምስ ዝቑረጽ) እቲ ሕምቦ ካልእ መልክዕ ከምዝሕዝ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ርኣ www.mekinschab.ch/

1. ሻምብቆ እንቋቕሖ
2. ማህደር እንቋቕሖ
3. ማሕጸን
4. ፍሕኛ
5. ዓጽሚ በገድ
6. መትረብ ሽንቲ
7. ጒድበ ጭንቅራ
8. ጭንቅራ
9. ሻንፎት
10. ርሕሚ
11. ክሳድ ማሕጸን
12. መዓንጣ

ርሕሚ

ሉስሉስ መትረብ ካብ 7 ክሳብ 10 ሴ.ሜ ዝንውሓቱ አብ እዋን ጾታዊ ርክብ መትሎ ዝአትዎ ተመጣጢ አካል ብምኳኑ አብ ግዜ ሕርሲ ዕሸል ዝወጻሉ ከምኡውን ዕደተ ጽግያት እዩ፡፡ እቲ ጾታዊ ስምዒት ብምብርባር ንርሕሚ የለስልሶ እም መትሎ ብቀሊሉ ክአቱ ይክእል፡፡

ማህለት

እንድሕር እታ ጓለንስትይቲ ምስ ክብራ አላ ኮይና አብቲ መእተዊ ርሕሚ ረቂቅ ንክፋል ርሕሚ ዝሽፍን እዩ፡፡ ካብ ሓንቲ ጓለአንስትይቲ ናብ ካልእ ይፈላለ እዩ ገለ ውን ዘይብለን አለዋ ፡፡ ብሓፈሽኡ ግን አብታ ቀዳመይቲጾታዊ ርክብ ይብተክ ቁሩብ ምድማይ ውን ክርኤ ይክእል እዩ፡፡

ማህጸን

አብ ማህጸን እዩ እቲ ዕሸል ዝዕቢ ፡ አብ ወርሒ ወርሒ እቲ ማህጸን ልፋጭ የዳሉ ድቂ እንተዘይ ተፈጢሩ ጽግያት ኮይኑ ይውጽእ፡፡እንተድአ ድቂ አሎ ኮይኑ ግን መስፈሪ የዳልወሉ፡፡
እቲ ታሕተዋይ አካል ምስ ርሕሚ ዘራክብ ክሳድ ማህጸን ይብሃል፡ ቅሩብ ክፍት ዝበለ ስለ ዝኮነ ንዘርኢ ውዲ ተባዕታይ ወይ ውንንጽግያት ክሕልፍ ይክእል፡፡ አብ እዋን ሕርሲ እቲ ክሳድ ማህጸንን ርሕምን ይክፈት ነቲ ዕሸል ንክውጽእ፡፡

ማህደረ እንቛቝሖ

ማህደረ እንቛቝሖ ክንዲ ናይ ርግቢት እንቛቝሖ ኮይነን ኽልተ ዓይነት ስራሕ ይሰርሓ

  • ምፍራይ አንስታዊ ሆርሞን ከም ኦስትሮጀንን ፕሮጀስተሮን ከሙውን ምስራዕ ዑድት ጽግያት፡
  • አብ ወርሒ ሓንሳብ ብስልቲ እንቋቍሖ ምውጻእ (ጽፍዮ)

ሻምብቆ ማህጸን

ክልተ ቀጠንቲ ሻምብቆታት ካብ 10 ክሳብ 15 ሴ.ሜ ዝቁመቱ፡ ካብ ማህጸን ተበጊሱ ናብ ማህደረ እንቛቝሖ ይበጽሕ ንክቅበል እንቛቝሖ ፡ ርክብ ናይ እንቛቝሖን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን አብ ሻምብቆ ማህጸን ይካየድ፡ናብ ማህጸን ድማ ይወርድ፡፡

ዕደተ ጽግያት

ካብ ምጅማር መድመይቲ ክሳብ ምጅማር ናይቲ ብድርሪኡ ዝስዕብ መድመይቲ ዘሎ እዋን እዩ፡፡ ብሓፈሽኡ እቲ ዑድት ካብ 21 ክሳብ 35 መዓልቲ ኮይኑ ግን ክፋላለ ይክእል እዩ፡፡ እቲ ዑደት ካብ ዓሰርተ ሓደ ክሳብ 15 ዓመት ዘሎ ግዜ ይጅምር፡ ንጽፈ ጽግያት ድማ አብ 45 ን 55 ድማ የቋርጽ፡፡ አብ ወወርሒ እታ ማህጸን ድቂ ንክትቅበል ትዳሎ እቲ ጽፍዮ ዝመጸእ አብ ከባቢ 15 መዓልቲ ቅድሚ እቲ ዝመጸእ ጸግያት እዩ፡፡ እቲ ጾታዊ ርክብ አብቲ ከባቢ ናይ ጽፍዮ እዋን እንድሕር ተካይዱ ጽቡቅ ናይ ምጥናስ እዋን ክከውን ይክእል፡ እቲ ጽፍዮ አብ ሓደ ስሩዕ እዋን ኣይህሉን እዩ፡ ስለዚ ካብቲ ብቁዕ ትአማንነት ዘይብሉ ኣገባብ ባህረያዊ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ምቍጣብ « ወይ ድማ ምክትታአል ዑድት ») እዞም አገባባት እዚአቶም እሙናት አይኮኑን፡፡

አብቲ ናይ ጽግያት ግዜ...

...እታ ጓለንስተይቲ ነብሳ ጭጉራ ክትሕጸብ ባኞ ክትገብር ትክእል እያ፡፡

ስፖርት ክትገብር፡ ታንቦን (አብ ውሽጢ ርሕሚ ዝአቱ) አእትያ ውን ክትሕንብስ ትክእል እያ፡፡

2017, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

ብተጋባራውን ገንዘባውን ሓገዝ migesplus ዝተዳለወ
www.migesplus.ch – ንጥዕና ዝምልከት ሓበሬታ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት

ብዛዕባ ትሕዝቶ ቀጻሊ ሓበሬታ

ካልእ ኣርእስታት

ኣርጊፍኩም ጽዓኑ

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ