ብሰብ ሙያ ዝተደገፈ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ጾታዊ ርክብ ጥዕና መፍረዪ ኣካል አካላት ምፍራይ ተባዕታይ

አካላት ምፍራይ ተባዕታይ

Information: Diese Seite wird in Kürze überarbeitet.

Information: This page will be revised shortly.

እቲ ግዳማዊ ዝኾነ ኣካል ብልዕቲ ተባዕታይ መትሎ (ሽልሖ) ከምኡ እውን እተን ኣብ ኣስኪት ዝርከባ ክልተ ፍረ ነብሲ እየን።

ኣብ ውሽጢ መውሓዝ ዕልቋቕን ፕሮስተይትን (ድኪ) ከምኡ ድማ ሽግሪ ይርከቡ።

1. ዓጽሚ በገድ
2. ፍሕኛ
3. መውሓዝ ዕልቋቚ
4. ወታሪ
5. ፍረ ነብሲ
6. ዕልቦ
7. መዓንጣ
8. ሽግሪ
9. ፕሮስተይት
10. መትረብ ሽንቲ
11. ኣስኪት
12. ፍረ ነብሲ

ፍረ ነብሲ

እዞም ፍረ ነብሲ ክልተ ዓይነት ስራሕ አለዎም

  • ብቀጻሊ ካብ ጉብዝና ክሳብ ምት ዘርኢ ተባዕታይ ናይ ምፍራይ
  • ቴስቶስቴሮን ዝተባህለ ተባዕታዊ ሆርሞን ምፍራይ እዩ፡፡

ካብ ነብሲ ወከፍ ፍር ነብሲ እቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብመትረብ ናብ መትሎ ይበጽሕ፡፡

መትሎ

መትሎ ሽንትን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን የሕልፍ ፡ ብምልዓል ጾታዊ ስምዒት እቲ መትሎ ይተርር፡

ብምምላእ ደም አብ ሰራውር ምቅናዕ መትሎ ይመጽእ፡ ናብ ርሕሚ ንክአቱ ድም ይሕግዝ፡፡

ዘርኢ ወዲተባዕታይ

እዚ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብዋሃዮታት ዘርኢን ብፈሳሲ ካብ ፕሮስተይትን አብ ፍሕኛ ዘርእን ዝተዳልወ ፈሳ

እዩ፡፡ ምስዳድ ማለት ተወንጪፉ ካብ መትሎ ዝወጽእ ዘርኢ ተባዕታይ ማለት እዩ፡፡

አገዳሲ!

አብ መትሎ ዝቀንዓሉ ግዜ፡ ብመትሎ ዝተዳለወ ቅሩብ ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዘለዎ ኽህሉ

ይክእል እዩ፡፡ እዚ ማለት ድማ አብ ምኩላፍ ጾታዊ ርክብ «ምጥንቃቅ» ወይ ድማ አቀዲምካ ምውጻእ

መትሎ «አብ ጽቡቅ እዋን » እዚ አገባብ እዚ ግን ዘየታአማምን መከላኸሊ ጥንሲ እዩ፡፡ ቅድሚ ዝኮነ ይኩን

ርክብ መትሎን ርሕሚን ኮንዶም ክአቱ አለዎ፡፡

2013, SANTÉ SEXUELLE SUISSE, Fondation suisse pour la santé sexuelle et reproductive; ALECSS Association suisse latine des spécialistes en santé sexuelle, Éducation – Formation – Conseil; faseg, Fachverband sexuelle Gesundheit in Beratung und Bildung

(Tigrinya / ትግርኛ - Die männlichen Geschlechtsorgane / Les organes génitaux masculins)

 

ብተጋባራውን ገንዘባውን ሓገዝ migesplus ዝተዳለወ
www.migesplus.ch – ንጥዕና ዝምልከት ሓበሬታ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት

ብዛዕባ ትሕዝቶ ቀጻሊ ሓበሬታ

ካልእ ኣርእስታት

ኣርጊፍኩም ጽዓኑ

ሕቶ'ዶ ኣለኩም?

ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ንናይ ጾታዊ ጥዕና ንሕቶኹም ሰብ ሙያ ብስቱር ክመልሱልኩም እዮም። እሳቶም ነቲ ናትኩም ኩነታት ዝኸውን ጭቡጥ መፍትሒ ንኽትረኽቡ ይሕግዙኹም እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ